ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ዕደና ኦፓል ዝተቐብሩ ንምውጻእ ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነ ደው ምባሉ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ደላንታ ዝተባህለ ቦታ ማዕድን ኦፓል ኣብ ምውጻእ ተዋፊሮም ኣብ ዝነበርሉ ብዘጋጠሞም ምህማም በዓቲ ዝተቐብሩ 20 ዝኾኑ ሰባት ንምድሓን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ፍረ ክርከቦ ኣይክኣለን።

ኣቦ መንበር ማሕበር ዓደንቲ ማዕድን ኦፓል ተስፋዬ ኣጋዝ እቲ ንሸሞንተ መዓልታት ዝተኻየደ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕሪ ሰለዘይተዓወተ ተስፋ ቆሪጽና ኣቋሪጽናዮ ኣለና ኢሉ።

ሓላፊ ብልጽግና ፓርቲ እቲ ወረዳ ዝኾነ ኣብዮት ጌታሁን ግን ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ጻዕሪ ክቕጽልዎ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ ኢሉ።

ኦፓል ዝብሃል ማዕድን፡ ንሽልማትን መማዕረግን ዘገልግል ክቡር እምኒ `ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG