ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ በዓቲ ዝተደበዩ ባህላዊ ሰብሞያ ዕደና ንምድሓን ጻዕርታት ይካየድ- ዝተረኽበ ሰብ ግን የለን


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ደላንታ ኣብ ዕደና ዝነበሩ ሰባት ብዘጋጠሞም ምህማም በዓቲ ተደብዮም ምህላዎም ተገሊጹ። ነዚ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ'ቲ ወረዳ እቶም ሰባት ኣብ ባህላዊ ዕደና 'ኦፓል' ዝተባህለ ማዕድን ከምዝነበሩን ህይወቶም ንምድሓን ጻዕርታት ይካየድ ምህላው ብተወሳኺ ገሊጹ። እቲ ጻዕርታት ንራብዓይ መዓልቲ እንተቐጸለ'ውን ዝተረኽበ ሰብ ግን የለን።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፓርቲ ብልጽግና'ቲ ወረዳ ኣብዮት ጌታሁን ብውሑዱ 10 ሰባት ኣብቲ በዓቲ ተደብዮም ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣቶ ኣብዮት 750 ሜትር ንውሓትን 25 ሜትር ዕሙቐት ኣብ ዘለዎ በዓቲ ዝተደበዩ ሰባት ብዝሒ ብንጹር ከምዘይተፈልጠ ብምሕባር ነበርቲ'ቲ ከባቢ፤ መንግስቲን ስድራቤትን ነቶም ሰባት ንምውጻእ ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎም ገሊጾም።

ኣብ መሸጣ ኦፓል ዝተባህለ ማዕድን ተዋፊሮም ካብ ዝርከቡ ነበርቲ'ቲ ከባቢን ኣባላት ስድራ ዓርኮም ኣብቲ ዝሃመመ በዓቲ ከምዘለው ዝገልጹ መለስ መብሬ ዝተባህሉ ነባሪ ኣብ ስራሕ'ቲ ምውጻእ'ዚ መዓድን ካብ ዝዋፈሩ ሸውዓተ ዓመታት ከምዘቑጸሩን ዝበዝሑ መንእሰያት ምዃኖም ብዝሖም ድማ ካብ 20 ንላዕሊ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ናይ ደላንታ ወረዳ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማዕድን ኣቶ ተስፋው ሰማው ንመሓውራት ዜና'ቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ከባቢ ብባህላዊ መገዲ ማዕድን ንምውጻእ ምቹእ ከምዘይኮነ ብምሕባር ህይወት እቶም ሰባት ንምትራፍ ይስራሕ ምህላው ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG