ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተደፍኑ ዓደንቲ ንምውጻእ ጻዕርታት ቀጺሉ'ሎ፤ ክሳብ ሕጂ ግን ፍረ ኣይተረኸቦን


ኣብ ክልል ኣምሓራ ደላንታ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ኣብ ልምዳዊ ዕደና ኦፓል ማለት ክቡር እምኒ ዝተደፍኑ ሰባት ንምድሓኖም ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ገና ኣይተዓወተን።

እቶም ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተደፍኑ ዓደንቲ ብህይወት ኣለዉ እንተኾይኖም ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

ሓላፊ`ቲ ወረዳ ኣቶ ተስፋ ሰማው፡ እቲ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ይቕጽል ኣሎ፡ ተስፋ`ውን ኣይቆረጽናን ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ።

ኦፓል ተባሂሉ ዝጽዋዕ እምኒ፡ ዝተፈላለየ ሕብርን ጽባቐን ዘለዎን ንዝተፈላለየ ሽልማትን መጸባበቕን ዝውዕልን ዘብለጭልጭ ክቡር እምኒ ኮይኑ ኣካል ዝተፈላለዩ ማዕድናት`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG