ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራፕን ሂላሪ ክሊንተንን ዓበይቲ ተዓወቲ መባእታዊ ምርጫ ኮይኖም


ሪፖብሊካን ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራፕ(ጸጋም)፡ ሂላሪ ክሊንተን(የማን)
ሪፖብሊካን ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራፕ(ጸጋም)፡ ሂላሪ ክሊንተን(የማን)

ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዝተካየድ መባእታዊ ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ክልቲኡ ፓርትታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ፓርቲ ረፖብሊካን ፡ ሂላሪ ክሊንተን ድማ ካብ ፓርቲ ዲሞክራት ዓብይ ዓወት ተጉናጺፎም።

ዓወት ሕጹይ ተወዳዳሪ ሪፖብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ፍሎሪዳ ድማ ወፍሪ ምረጹኒ ቀንዲ መወዳድርቶም ዝኾኑ ሰነተር’ቲ ክፍለ-ግዝኣት ዝኾኑ ማርኮ ሪብዮ ንኸብቅዕ ጌሩ’ሎ። ካብቲ ፓርቲ ሕጹይ ተወዳዳሪ ጆን ከሲች ድማ ድሕሪ ዓወት ኣብ ክፍለ-ግዝኣቶም ዝኾነት ኦሃዮ ተስፋ ከምዘለዎም ይገልጹ።

እዚ ናይ ትማሊ ምርጫ ኣብ ክፍለ-ግዝኣታት ፍሎሪዳ፡ ኖርዝ ኬሮላናን ኢሎኖይን ንዴታ ሪፖብሊካን ሕጹይ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ ካልእ ዓቢ ምሸት ዓወት’ዩ ኮይንሎም።

ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ምርጫ ከምዚ ኢሎም።

‘ከምዝመስለኒ ዓቢ ዓወት ክንረክብ’ኢና። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝያዳ ዘገድስ ድማ ደጊምና ክንዕወት ኢና ። ደጊም ንሕና ኣይኮናን እዛ ሃገር’ያ ዳግማይ ክትዕወት ትጅምር’ያ።’

ቢሊዮነር ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ሪፖብሊካን ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ፍሎሪዳ ምዕዋቶም ካብታ ክፍለ-ግዝኣት ዝኾኑ ሕጹይ ተወዳዳሪ ማርኮ ሪብዮ ካብ ውድድር ከምዝወጹ ጌርዎም’ዩ።

ሰነተር ማርኮ ሪብዮ ውድድሮም ደው ከምዝበሉ አብ ዝገለጽሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ናብ ዴታ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ ዝዓለመ ዝመስል መጠንቐቕታ’ውን ሂቦም።

ብኻልእ ወገን ኣመሓዳሪ ክፍለ-ግዝኣት ኦሃዮ ዝኾኑ ሕጹይ ተወዳዳሪ ጆን ካሲች ኣብ ክፍለ-ግዝኣቶም ተዓዊቶም። በዚ ድማ ንምርጫ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዘካይድዎ ወፍሮም ከምዝቕጽልን ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ዋዕላ ፓርቲ ሪፖብሊካን’ውን ንውድድር ክሳተፉ ዘለዎም ተክእሎ’ውን ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ውድድር ፓርቲ ሪፖብሊካን ንባዕሎም ከም ቀንዲ ተቐናቐኒ ዶናልድ ትራምፕ ጌሮም ዝርእዩ ሰነተር ቴድ ክሩዝ ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ተወዳዳርቲ ተሓጺሩ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ውድድር ሕጹያት ፓርቲ ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ክፍለ-ግዝኣታት ፍሎሪዳ፡ኖርዝ ኬሮላናን ኦሃዮን ዓብይ ዓወት ብምርኻብ ካብ መቐናቕንታ ሰነተር በርኒ ሰንደርስ ዝበለጸ ቁጽሪ ወከልቲ ንምርኻብ ኣክኢልወን ኣሎ።

ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያት ነበር ሂላሪ ክሊንተን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዘለወን ፍልልይ ዘተኮረ ጋዜጣዊ መግለጺ ትማሊ አብ ማያሚ ንደፈተን አስሚዔን።

ተቀናቃኒአን ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ነቲ ውድድር ክቅጽሉ’ዮም ወሲኖም።

ይኹን ደአ እንበር ሂላሪ ክሊንተን ንመወዳደርተን ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ብገፊሕ ይመርሓ’ለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዶናልድ ትራፕን ሂላሪ ክሊንተንን ዓበይቲ ተዓወቲ መባእታዊ ምርጫ ኮይኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:08 0:00

XS
SM
MD
LG