ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት አብ እስራኤል ግዝአታት ፍልስጤማዊያንን ይበጽሑ

  • ምንያ ኣፈወርቂ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ ሙን ድሕሪ ናይ ሰሙናት ህውከት አብ እስራኤልን ግዝአታት ፍልስጤማዊያን ንክልተ መዓልታት አብ ዝበጽሕሉ ህድአት ክዓስል ጸዊዖም።

ዑደተይ እቲ ህውከት እስራኤልን ፍልስጤማዊያን ኣዝዩ ሓደገኛ እንዳኾነ ይመጽእ ከምዘሎን ምልክት ከም ዓለማዊ መጠንቀቅታ'ዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ባንኪ ሙን ምስ ናይ እስራኤል ፕሬዝደንት ርዮቭን ሪቭሊን አብ የሩሳሌም ሎሚ ድሕሪ ምርኻቦም ንጋዜጠኛታት አብ ዝሃብዎ መግለጺ ቅልጡፍ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ አብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ክገድድ'ዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ድሕሪ'ቲ ብፖሊስ እስራኤል ብጥይት ተወቂዑን ብእኩባት ሰባት ተቀጥቂጡን ዝሞተ ኤርትራዊ መንእሰይ ንእስራኤላዊያን ብኢድ ዋኒንካ ሕጊ አብ ኢድካ ካብ ምግባር አጠንቂቆም አለዉ።

ሚኒስትር ዜና ኤርትራ የማነ ገ/መስቀል አብ ዝሃብዎ መግለጺ እዚ ፍጻሜ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ እስራኤል አብ ልዕሊ ኣሽሓት ኤርትራዊያን ትፍጽሞ ሜላዊን ዘይንገረሉን መጽቀቲ እዩ ምባሎም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG