ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ ኣስመራ ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ ጥንታዊ ስነ ቅርጻ ውርሻታት ዓለም ሰፊራ


ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ትምህርቲ ስነ ፍልጠትን ባህልን ትካል ማለት ዩነስኮ፥ ከተማ ኣስመራ ትርከበን ሰለስተ ቦታታት ኣፍሪቃ ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ ጥንታዊ ስነ ቅርጻ ውርሻታት ዓለም ኣስፊርወን።

ምስ ከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዩነስኮ ዝሰፈራ ምባንዛ ኮንጎ ናይ ኣንጎላን ኮማኒ ባህላዊ ቅርጻ መሬት ደቡብ ኣፍሪቃን እየን።

ከተማ ኣስመራ ብዘለዋ ሃብታም ስነ ቅርጻ ህንጻታት ዘበናውነት ማለት ሞደርኒስት ተባሂሉ ዝለፍጥ ኣብ በበይኑ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ኣብያተ ንግዲ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ክርስትያናት መሳጊድን ሲኖጎግ ናይ ኣይሁድን ከምኡውን ዝተፈላለዩ ቅርጻ ሆቴላትን ሲነማታትን ዘጠቓለለ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ብደቀባት ተነዲፎም ዝተሃንጹ ቅርጻ ህንጻ ኣርባዕተ ኣስመራን ኣባሻውልን እውን ነቲ ከተማ ኣስመራ ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ክትኣትው ዘኽኣልዋ ምዃኖምውን ተጠቒሱ ኣሎ።

ከተማ ኣስመራ ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ ጥንታዊ ስነ ቅርጻ ውርሻታት ዓለም ሰፊራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:10 0:00

ኣብ ዩኔስኮ ወኪል ኤርትራ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን፡ ከተማ ኣስመራ ኣድማሳዊ ክብርታት ዝህባ ታሪኻዊ ቀርሲ ኮይና ኣፍልጦ ክትረክብ ምኽኣላ፡ ገዚፍ ሓበንን ደስታን ዘስንቕ ከምኡ ድማ ንምዕቃቡ ረዚን ሓላፍነትን ግዴታን ዘሰክም`ዩ ኢላ`ላ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2001 ንኸተማ ኣስመራ ሃገራዊት ሓወልቲ ጌሩ እንተኣወጀላ`ኳ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብን ሕጽረት ክኢላታትን፡ ሮማዊ መልክዕ ዘለዎም ህንጻታታን ብእመነ-በረድ ዝተሰርሑ ዓንድታትን ግቡእ ዕቃበን ክንክንን ጎዲልዎ ከምዝጸንሐ ይግለጽ። ሕጂ`ውን ነቲ ተሪኻዊ ቅርጽታት ንምዕቃብ መንግስቲ ዝወስዶ ስጉምትታት ብሕጂ ዝፍለጥ`ዩ ዝኸውን።

ኢጣልያ፡ ካብ 1936 ክሳብ 1941 ንኤርትራ ተመሓድረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ዝተሃንጹ ቅርጽታት ህንጻታትን ፍሉይ መልክዕ ዘለዎም ጎደናታትን ንኣስመራ “ንእሽቶ ሮማ” ዝብል ሽም ኣውሂቦማ ከምዝነበሩ ይፍልጥ።

እቲ ንኣስመራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ናይ ምእታው ውሳነ ዝተገብረ፡ ኮሚቴ ዓለማዊ ውርሻ ኣብ ፖላንድ ከተማ ራኮው ድሕሪ ምእካቡ`ዩ።

ከተማ ኣስመራ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ልዕሊ ሜትሮ ኣብ ዝብራኸኡ ቦታ ዝተደኮነት ኮይና ፡ ብዝሓዘቶ ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎ ስነ ቅርጻ ኣብ መዝገብ ጥንታዊ ህንጻታት ዓለም ንምስፋራ ሓያሎ ስራሕ ክስራሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምባንዛ ኮንጎ ናይ ኣንጎላ ካብ 14 ክሳብ 19 ክፍለዘመን ዝነበረ ጥንታዊ ንግስነት ዝገደፎም ኣብ 570 ሜትሮ ብራኸ ዝረከቡ ጥንታዊ ህንጻታት: ንምትእታው ሃይማኖት ክርስትናን ባዕዳዊ ሓይሊ ፖርቱጋል ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘመላኽቱ ኣሰራት ዘለውዎ እዩ።

ኮማኒ ባህላዊ ቅርጻ መሬት ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ዶብ ቦትስዋናን ናሚብያን ኣብዘዳውብ ቦታታት ዝርከብ ብሑጻ ዝተሸፈነ ሰፊሕ መሬት ብ “ዘበነ እምኒ” ተባሂሉ ኣብ ዝጥቀስ ግዜ ንዝነበሩ ኣሰር ጥንታውያን ሰባት ዝሓዘለ ብምዃኑ’ዩ ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ክሰፍር ክኢሉ።

XS
SM
MD
LG