ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኣብ ቅትለት በቴ ኡርጌሳ 13 ጥርጡራት ኣብ ቐይዲ ምእታው ኣፍሊጡ


ፖሊስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል
ፖሊስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል

ፖሊስ ኢትዮጵያ ምስ ቅትለት ኣባል ኣመራርሓ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ብዝተሓሓዝ 13 ተጠርጠርቲ ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ መዋቲ በቴ ኡርገሳ ብሓይልታት መንግስቲ ተታሒዙ ጸኒሑ ምስ ተፈትሐ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ምብራቕ ሸዋ ኣብ ትርከብ ትውልዱ ዓዱ ከተማ መቂ ከም ዝተቐትለ`ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ፖሊስ ብዛዕባ`ቶም ኣብ መቂ ሒዘዮም ዝበሎም 13 ተጠርጠርቲ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበረታ ዛጊት የለን።ኣቐድም ኣቢሉ ፖሊስ ከተማ መቂ እቲ ቅትለት ኣብ መንጎ ቤተሰብ ብዝተፈጥረ ቅርሕንቲ ከይከውን ዝብል ጥርጣረ ንሓውን ሓፍትን ኣቶ በቴ ኡርገሳ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ ኔሩ።

ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ግን እቲ ፖለቲከኛ ብረቡዕ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ሰሉስ ብወተሃደራት ተኣሲሩ ምንባሩ ይገልጽ። ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳ ንቅትለት ላዕላዋይ ኣመራርሓ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ድሕሪ ምኹናን፡ምሉእ መርመራ ክግበረሉ ጸዊዖም ኣለዉ።

ወዲ 41 ዓመት ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ኦነግ ዝነበረ በቴ ኡርገሳ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ ሓደ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣብ ቁጽጽር ድሕሪ ምውዓሉ፡ ዝሓለፈ መጋቢት `ዩ ብዋሕስ ተፈቲሑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG