ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መራሒ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተቐቲሉ


ባቴ ኡርጌሳ
ባቴ ኡርጌሳ

ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ክፍሊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝዀነ በተ ኡርጌሳ ትማሊ ሰሉስ ተቐቲሉ ሬሳኡ ድማ ሎሚ ረቡዕ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ እቲ ሰልፊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ወዲ 41 ዓመት በተ፡ ምስ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቶኒ ጋሊንዶ ብ22 ለካቲት ን15 መዓልታት ድሕሪ ምእሳሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ።

በተ ኣብታ መበቆል ዓዱ ዝዀነት ከተማ መቂ ናይ ምብራቕ ሽዋ’ዩ ተቐቲሉ። ኣቐዲሙ፡ ብሰሉስ ምሸት ብመንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ካብቲ ዝነበሮ ሆቴል ምውሳዱ ንስድራቤቱ ብምጥቃስ ምንጭታት ይሕብሩ።

ኮሚሽነር ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝዀነ ዶክተር ዳኒኤል በቀል ነቲ “ኣሰቃቒ” ኢሉ ዝሰየሞ ቅትለት እቲ ፖለቲካዊ ሓላፊ ቅልጡፍ መርመራ ክግበር ኣብ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣስፊሩ። ጻውዒት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞን ፈደራላዊ መንግስቲን’ዩ።

ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ንምቕታል እቲ ፖለቲካዊ ኣባል መሪሕነት እቲ ሰልፊ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ተሓታትነት ዘይብሉ ቅንጸላ ላዕለዎት ፖለቲካውያን ከም ሓጫሉ ሁንዴሳ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ባህሊን ኣንጻር ተወላዶ ኦሮሞ ቀጻሊን ንምዕፋኖም ዝግበር ሰንሰለታዊ ወፍሪን’ዩ፡” ክብል ገሊጹዎ።

በተ ብተደጋጋሚ ግዜ ምእሳሩ መዛግብቱ ይሕብሩ። ኣብ 2022 ካብ ማእሰርቲ ብምኽንያት ጥዕና ምውጻኡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣስፊሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG