ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚተ ዝምድናታት ጉዳያት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ንቕትለት በተ ኡርጌሳ ኣመልኪቱ ቅልጡፍ መርመራ ክግበር ጸዊዑ


ኣቦ-መንበር ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ዝምድናታት ሰነት ኣመሪካ ዝዀነ በን ካርዲን
ኣቦ-መንበር ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ዝምድናታት ሰነት ኣመሪካ ዝዀነ በን ካርዲን

ኣቦ-መንበር ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ዝምድናታት ሰነት ኣመሪካ ዝዀነ በን ካርዲን ብቕንጸላ ኣባል መሪሕነት ፖለቲካዊ ጉዳያት ሰልፊ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝዀነ በተ ኡርጌሳ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ብኣህጉራዊ ኣካል ዝምራሕ ናጻ መርመራ ክግበር ጸዊዑ። “ተሓታትነት ዘይብሉ ቅትለት ኣብ ስርዓት ኣቢይ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያን ኣዝዩ ዝውቱር ኰይኑ ኣሎ፡” ዝበለ እቲ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ሰነት ዝምድናታት ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ይረአ ኣሎ ዝበሎ ሰፊሕ ስእነት ተሓታትነትን ዘይምርግጋእን "ኣብታ ሃገር ዓቢ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ፡” ኢሉ። ፈጸምቲ ቅትለት ዝግበኦም መቕጻዕቲ ክቕበሉ ድማ እቲ መልእኽቲ ይጽውዕ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሞት በተ ዝተስምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ “ንመንግስቲ ኣብ ቅትለቱ ተሓታቲ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ግን ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ’ዩ፡” ኢሉ። መግለጺ ክልላዊ ምምሕዳር ኦሮሚያ ኣስዒቡ፡ “ንቅትለት በተ ዝምልከት መርመራ ድሕሪ ምግባር ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ክኸውን’ዩ፡” ኢሉ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነጥፋ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ብሞት በተ ዝተሰምዐን ሓዘን ብምግላጽ፡ ናጻን ዘይሻራዊን መርመራ ክግበር ጸዊዐን’የን።

ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ጉዳያት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝዀነ በተ ኡርጌሳ፡ ሰሉስ ምሸት’ዩ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ካብ ዝነበሮ ሆቴል ተጸዊዑ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ መበቆል ዓዱ ዝዀነት መቂ ሞይቱ ተረኺቡ። ንሞት እቲ ፖለቲካዊ መራሒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የሎን። ኣብ ቅትለቱ ዝተጠርጠረ ኣካል እንተልዩ’ውን ክሳብ’ዚ ጸብጻብ ዝዳሎ ወግዓዊ ኣይኰነን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG