ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አርበኞች ግንቦት 7 ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዝፈጸምኩ ኣነ`የ ክብል ሓላፍነት ወሲዱ


ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ
ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ

ሎም ቅነ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዝፈጸምኩ ኣነ’የ ክብል ኣርበኞች ግንቦት 7 ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

ኣቦ መንበር’ቲ ውድብ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ሎሚ ንድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ ‘ቃልስና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ’ ኢሎም’ለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ቅነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ አስልጢኑ ዝለኣኾም ኣሸበርቲ ሒዘ ክሃድሙ ንዝፈተኑ ቀቲለ ክብል ምግላጹ ይዝከር።

ዶ/ር ብርሃኑ ነቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተካየደ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ትውስዱ’ዶ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

‘እወ። እዚ ካብ`ቲ ኣብ ደቡብ ዝንቀሳቀስ ሓይልና ምስ ሓደ ጉጅለ ዝተኻየደ ግጭት’ዩ፡ ብሰሜን ኢትዮጵያ ብወገን ኤርትራ ዝበሃል ብሓፈሻ ኹሉ ጊዜ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ምስ ወያነ ዝግበር ውግእ ጉዳይ ኤርትራ ንምግባር ብዙሕ ፈቲኑ ኣይቀንዖን። ምኽንያቱ እዚ ቃልሲ ዲሞክራስን ነጻነትን ምስ ዝደሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ኮይኑ እዚ ቃልሲ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዎ ኹሉ ዝኻየድ’ዩ። ናይ ሓደ ከባቢ ናይ ሓደ ቦታ ቃልሲ ኣይኮነን ኢልና ደጋጊምና ገሊጽና ኢና’ ይብሉ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG