ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አምንስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጃምላ ንዝኣሰሮም ሰላማዊያን ሰልፈኛታት፣ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ተቓዋሚ ፓርትን ክፈትሕ ጸዊዑ


ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጃምላ ንዝኣሰሮም ሰላማዊያን ሰልፈኛታት፣ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ተቓዋሚ ፓርትን ክፈትሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ረቡዕ ኣብዘውጽኦ መግለጺ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብምኽንያት ይካየድ ዘሎ ተቓውሞ ዝተኣስሩ ንዝተፈላለየ ስቓይን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ክቓልዑ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ውልቀሰባት ብዘይውዓል ሕደር ክፍትሑ ይጽውዕ።

እቲ መግለጺ ናይ ገለ ካብቶም ዝትኣስሩ ሰባት ስም ዝርዝር ሒዙ’ሎ።ከተማ ኣምቦ ካብ ዝርከብ መንበሪአን ብሓይልታት ጸጥታ ዝተኣስራ 60 ዓመት ዝዕድሚአን ወ/ሮ ድሪቤ ኤርጋ፣ምኽትል ኣቦ- መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ በቀለ ገርባ፣ዋና-ኣሰናዳኢ ብመርበብ ሓበሬታ ጋዜጣ ነገረ ኢትዮጵያ፣ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝጽሕፍ ዮናታን ተረሳ፣ናይ ኦሮሚያ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ጋዜጠኛ ፍቃዱ ሚርካና ኣብ ቁጽጽር ካብ ዝርከቡ አብቲ ዝርዝር ዝተገልጹ ሰባት እዮም ።

ብዛዕባ እቲ መግለጺ ተወሳኺ መብርሂ ክህቡ ዝተሓተቱ ማኔጂንግ ዳይረክተር መንግስታዊ ርክባት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል USA ኣዶቲ ኣክወይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመራሕትን ኣባላትን ተቓወምቲ ንምእሳርን ንምዕፋንን ጸረ ሽብር ሕጊ ከምዝጥቀም ይገልጹ።

ንሶም ብተወሳኺ ከምዚ ኢሎም ኣለው። ‘እቲ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ኣብ ፖሊስታቱን ስጉምትታቱን ሕቶ ዘቕርብ ኣሸባሪ ኢሉ ብምጽዋዕ ዝወስዶ ስጉምቲ እውን ብኡ ልክዕ ዝሓየለ እዩ።’

መግለጺ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዝግደስ ዝኾነ ይኹን ወገን ቅድሚ 17 ለካቲት 2016 ዓ.ም.ፈ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሓዊሱ ናብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ናይ ምሕጽንታ ደብዳበ ክጽሕፉ ይጽውዕ። እዞም ዝተኣስሩ ሰባት ክፍትሑ ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ መንግስቲ ምርመራ ከካይድ እውን ንጽውዕ ኢና ዘለና ኢሎም።

ሓደ ሽሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ሰራሕተኛ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብቴሌፎን ኣብዝሃብዎ መግለጺ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ኣጻሪኻ ንምፍላጥ ከቢድ እንተኾነ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝበጽሖም ሓበሬታ 121 ምብጽሑ ተዛሪቦም።መን ካብ መን ወገን ከምዝሞተ ንምፍላጥ እውን ከቢድ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይከአል።

XS
SM
MD
LG