ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ 10 ሽሕ ፖለቲካዊ እሱራት ኣለው ይብል ሓደ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት


Amnesty International Logo<br>
Amnesty International Logo<br>

መንግስቲ ኤርትራ ግን እቶም ኽስታት መርትዖ ዘይብሎም ክብል ነፂጉዎ`ሎ

ኣብ ኤርትራ ኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራት ብዘይፍርዲ ብዘስካሕክሕ ኩንታት ተኣሲሮም ይርከቡ ክብል Amnesty Internationla ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።ኤርትራ መበል 20 ዓመት ነፃነታ ንምኽባር ኣብ እትዳለወሉ ዘላ መንግስቲ ለውጢ ንኽገብር ኣምነስቲ ፀዊዑ’ሎ።መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብወገኑ ንቶም ዘይተኣደቡ ዝበሎም ኽስታት ነፂጉዎ’ሎ።

ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ ኤርትራ እታ ሃገር ነፃ ካብእትወፅእ ካብ 1993 ኣ/ፈ ጀሚሩ እንተወሓደ ን10 ሽሕ ፖለቲካዊ እሱራት ኣሲሩ ይርከብ ይብል።

እቶም እሱራት ፓለቲካዊ ተቓወምቲ፣ካብታ ሃገር ክሃድሙ ዝፍትኑ ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታትን ብመንግስቲ ካብ ዝተፈቐዱ ሃይማኖታት ወፃኢ ዝኣምኑን ይርከቡዎም።
ኣብ ኣምነስቲ ኡንተርናሽናል ንጉዳይ ኤርትራ ዝከታተላ ክለይር በስተን እቶም እሱራት ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ሕቡኣት ኣብያተ ማእሰርቲ ተታሒዞም ከምዝርከቡን ንስቅያትን ንካልኦት መግሃስትን ከምዝሳጥሑ ሓቢረን።

ብዙሓት እሱራት ትሕቲ መሬት ኣብዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርትን ኣብ ናይ ኣቑሑት መትሓዚ ኮንተይነራትን ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ብምግላፅ ‘’ንመቕፃዕቲ፣ንምርመራን ብኣስገዳድ ንኽኣምኑ ብምግባርን ሓዊሱ ስቅያትን ካልኦት ዘስካሕክሑ መግሃስትን ይበፅሖም ከምዘለው ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ገሊፆምልና እዮም።’’ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዘይረኸቡ ሃይማኖታት ዝስዕቡ ሰባት መስቀይቲ ከምዝበፅሖምን ሃይማኖቶም ብሓይሊ ንኽልውጡ ከምዝግደዱን’ውን ተነጊሩና እዩ ኡለን ብምውሳኽ።

ኣምነስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰለዘይንቀሳቐስ ዝበዝሕ ፀብፃቡ ካብ ስደተኛታት፣እሱራት ካብ ዝነብሩ ሰባትን ካብ ስድርኦምን ብዝረኽቦ ሓበሬታ እዩ ተመስሪቱ።

ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተብሃለ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ብዘውፅኦ መግለፂ ኤርትራ ብነፃነት ፕሬስ ኣብ መወዳእታ ሰሪዑዋ ይርከብ።ሓበሬታ ንምርካብ’ውን ኣፀጋሚ እዩ።
ነቲ መንግስቲ ዘጋጠሞ ሓደ ፍሉይ ብድሆ ናይ ወታደራት ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንምንስቴር ሓበሬታ ኤርትራ ንሓፂር እዋን ተቖፃፂሮም ፖለቲካዊ እሱራት ንኽፍትሑ ምሕታቶም እዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ክንደይ ሰባት ከምዝተሳተፉ ዋላ ንፁር እንተዘይኮነ’ውን ድሕሪ እቲ ኣጋጣሚ መንግስቲ ንብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝኣሰረ ክሌይር በስተን ሓቢረን።

ገለ ላዕለዎት ኣባላት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከቡዎም ብውሕዱ 187 ሰባት ተኣሲሮም ዝብል እምነት ከምዘለዎ በስተን ብምውሳኽ ሓቢረን።

መንግስቲ ኤርትራ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራት ንኽፈትሕ፣ገበን ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ኽሲ ንኽምስርትን መስቀይቲ ጠጠው ንኸብሎን ኣምነስቲ ፀዊዑ’ሎ።

ኤርትራ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንዘቕረቦም ዘይትኣደቡ ኽስታት ብንፁር ትነፅጎ ክብል መንግስቲ ኤርትራ መገልፂ ኣውፂኡ።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ሎማዕንቲ ኣብዝወፅኦ ምግለፂ እቶም ዝቐረቡ ጠቐነታት ኣብ ዝእመን መርትዖ ከይኮነስ ኣብ ናይ ባዕሉ ናይ ኣምነስቲ ግምትን ሓሳብን ተመስሪቱ ዝቐረቡ እዮም ይብል።

ናይ ዓሌታትን ባህላውን ጉጅለታት፣ደቂ ኣንስትዮ፣ናይ መናእሰይ፣ህፃውንቲ፣ናይ ኣካለ ስንኩላ ብሓልፈሻ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላቲ ክሕለወሉ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ቀዳምነት ሂቦም ዝሰርሕሉ ኮይኑ ክቕፅል እዩ ይብል እቲ መግለፂ።

ኤርትራዊያን ይብል እቲ መግለፂ ብምቕፃል ኣብታ መንእሰይ ሃገር ክብሪ ዘለዎን ዝበልፀገን መነባብርኦም ንምውሓስ ብዙሕ ከምዝተርፎም ነጋሪ ከየድልዮም ኣቐዲሞም ዝፈልጡ እዮም ይብል።
AI-Eritrea
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:47 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG