ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅድሚ ምርጫ ኢትዮጵያ ሰፊሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀሙ ኣለው ኢሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል


ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብጃምላውን ውዱብን ከምኡ እውን ሰፊሕ ምጥሓ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያዊያን ዝተዓጀበ እዩ ኢሉ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።

ናብ ምርጫ ዝኽየድ ዘሎ መሰላት ሓሳብ ናይ ምግላፅ፣ናይ ምውዳብን ናይ ምእካብን ነፃነት ኣብ ዝተደረተሉ ኩነታት እዩ ዝበላ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተ ምብራቕ ኣፍሪካ፣ቀርኒ ኣፍሪካን ዓበይቲ ቃላያትን Muthoni Wanyeki እየን።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ብዙሓት ኣባላት ሕጋዊ ተቓምቲ ፓርትታት፣ ጋዜጠኛትታ፣ብሉገራትን ሰልፈኛታት ኣሲሮም ኣለው።ንነፃ ማዕቐናትን ስቪል ማሕበሰብን ንምዕፋን ምፍርራሕን ዓፋኒ ሕግን እናሓዋወሱ ተጠቒሞም እዮም ይብል እቲ መግለፂ።

ቅድሚ ናይ ሰንበት ምርጫ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ከይነቀሳቐሱ ገደባት ከምዝወሰኸ ከምዝገለፁ እውን እቲ ሪፖርት ይሕብር።ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ንልዕሊ ፍርቂ ሕፁያት ተወዳደርተይ ሰሪዙዎም ክብል ሰማያዊ ፓርቲ ንኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣመልኪቱ’ሎ።ንፓርላማ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመዝገቡ 400 ሕፁያት 139 ጥራሕ ከምዝወዳደሩ ይገልፅ እቲ መግለፂ።

ቅድሚ ሰለትሰ ማዕልታት 19 ግንቦት 2015 ኣ/ፈ በቀለ ገርባን ካልኦት ኣባላት ናይ ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስን/መድረክ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወፍሪ ምርጫ የካይድሉ ኣብዝነበሩ እዋን ሓይልታት ፀጥታ ንስዓታት ከምዝኣሰሩዎም እቲ መግለፂ ይዝርዝር።

ኣብ ወርሒ መጋቢት እውን ሰለስተ ብረት ዝዓጥቁ ኣባልት ደሕንነት ኣብ ትግራይ ኣባል ዓረና መድረኽ ንዝኾኑ ሕሉፍ ካሕሳይ ብከቢድ ከምዝደብደብዎም ቅድም ክብል እውን ካብቲ ፓርቲ ንክወፁ ወይ ንዝመፅእ ሳዕቤን ክዳለው ካብ ሰበስልጣን ፀጥታ ናይ ቃል መጠንቀቕታ ይበፅሖም ነይሩ ይብል እቲ መግለፂ።

እስክንድር ነጋ፣ሪኢዮት ኣለሙን ዉብሸት ታየን ሓዊሱ እንተወሓደ 17 ጋዜጠኛታት ብፀረ-ሽብር ሕጊ ተፈሪዱዎም ተኣሲሮም ይርከቡ ይብል እቱ መግለፂ።ብዙሓት ጋዜጠኛታት እውን ብዝበፅሖም ምፍርራሕን መጠንቀቕታ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም እዮም።

ልኡኽ ተዓዛቢ ምርጫ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዝግባእ ክሪኦን ብኣንፃር ሰፊሕ ሰብኣዊ መሰላት ክፍትሾን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፀዊዑ’ሎ።

‘’ተዓዘብቲ ምርጫ ሕብረት ኣፍሪካ ብሕልፊ ምስ ምርጫ ዝተኣሳሰሩን ካብኡ ንልዕልን ዝፍፀሙ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ትኹረት ክህብ ሓላፍነት ኣለዎ’’ዝበላ ዋንየኪ ብምስዓብ ‘’ ንሰብኣውን ናይ ህዝብን መሰላት ሓለዋ ዝህብ ናይ ኣፍሪካ ቻርተር ኢትዮጵያዊያን ኣብ መንግስቶም ብነፃነት ክሳተፉ ናይ ዘለዎም መሰል ክከላኸል ኣለዎ’’ይብላ።

XS
SM
MD
LG