ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ንሲቪላውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብሰራዊት መንግስቲ ኣይተፈጸመን" ዶ/ር ለገሰ ቱሉ


ሓላፊ ኮሚኒኬሽን’ታ ሃገር ዶ/ር ለገሰ ቱሉ
ሓላፊ ኮሚኒኬሽን’ታ ሃገር ዶ/ር ለገሰ ቱሉ

"ኣብ ኢትዮጵያ ንሲቪላውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብሰራዊት መንግስቲ ኣይተፈጸመን" ክብሉ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን’ታ ሃገር ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ሓቢሮም።

ካብ ከተማ መርኣዊ ኮይኖም ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡን ኣባላት ቤተሰቦምን ከምዝተቀተልዎም ዝገልጹን ነበርቲ ግና፣ ኣብ ውግእ ከይተሳተፉ ከለው ዝሞቱ ሰላማዊያን ሰባት፣ ብሰራዊት መንግስቲ እዮም ተቀቲሎም ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።

ሰራዊት ምክልኻል ስጉምቲ ዝወሰደ፣ ኣብ ልዕሊ ዘጥቅዕዎ ጽንፈኛታት እዩ ዝብሉ ዶ/ር ለገሰ ንሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ተጻርዩ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ሓቢሮም።

ዳይረክተር ሕብረት ውድባት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መስዑድ ገበየሁ ብወገኖም፣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ይፍጸም ዘሎ ቅትለት፣ ዘሻቅል ስለዝኾነ ብዘይሸራዊ ወገን ክጻረ ኣለዎ" ኢሎም።

ተሓለቅቲ መሰላት፣ ኣብ ከተማ መርኣዊ፣ ብርክት ዝበሉ ሰላማዊያን ሰባት፣ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተቀተሉ ምግላጾም ይዝከር።

ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ብወገኖም፣ እቲ ኩነታት ከምዘሻቀሎምን ብናጻ ኣካል ንክጻረይ ምሕታቶም ዝዝከር እዩ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG