ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢሰመኮ ኣብ ጎጃም 66 ሰባት ብወታሃደራት መንግስቲ ምቕታሎም ምስናዱ ኣፍሊጡ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ)
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ)

ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ዞባታት ጎጃም ብውሕዱ 66 ሲቪላት ከም ዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ) ኣፍሊጡ።

ሎሚ ሰሉስ ሓጺር መግለጺ ዘውጽአ ኢሰመኮ፡ ኣብ መርዓዊ ዝተባህለት ኣብ ምዕራብ ጎጃም ትርከብ ከተማ ጥራሕ ብውሕዱ 45 ሲቪላት ቀቲሎም ይብል።

እቲ ቅትለት ዝፍጸም ዘሎ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ወተሃደራት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ውግእ ድሕሪ ምክያዱ`ዩ።

ብካልእ ወገን ዝሓለፈ 19ን 15ን ጥሪ ኣብ ምዕራባዊን ምብራቓውን ዞባታት ጎጃም ሓይልታት መንግስቲ ገዛ ገዛ እናኸዱ ሰባት ምቕታሎም እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምስናዱ ኣፍሊጡ`ሎ። ብዛዕባ`ቲ ቕትለት ምሉእ መርመራ ተገይሩ ተሓተቲ ክቐርብ ድማ ኢሰመኮ ጸዊዑ`ሎ።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ መርዓዊ ዝተቐተሉ ሲቪላት ቁጽሮም ልዕሊ 80 እዮም ክብል ምግላጹ ይዝከር። መንግስቲ ኣመሪካ`ውን እቲ ቕትለት ሲቪላት መርመራ ክግበረሉ ሓቲቱ ኔሩ`ዩ።

ሕጂ ዝመጻና ዜና ከም ዝሕብሮ ድማ፡ ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ መርዓዊ ዝተፈጸመ ቕትለት ብከቢድ ከም ዘተሓሳሰቦን ናጻ ዝኾነ ምጽራይ ክግበረሉን ጸዊዑ`ሎ።

ኣተሓሒዙ ኣብቲ ክልል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክናዋሕ ምግባሩ`ውን ንሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ `ቲ ከባቢ ዝድርት `ዩ ክብል ስኽፍትኡ ገሊጹ`ሎ።

ካብ ወገን መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ምላሽ ኣይረኸበን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG