ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣስታት 50 ሲቪላውያን ዜጋታት ቀቲሉ፡” ነበርቲ ከተማ መርኣዊ


ከተማ ባህርዳር - ፋይል
ከተማ ባህርዳር - ፋይል

ፈደራል ሰራዊት መንግስ ኢትዮጵያ ኣብ መርኣዊ ዝተባህለት ከተማ ክልል ኣምሓራ ኣብ ገዛ-ገዛ ብዝገበሩዎ ተፍትሽ ንኣስታት 50 ሲቪላውያን ዜጋታት ምቕታሎም ንመሰኻኽር ዓይኒ ብምውካስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ፍጻመ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፋኖን ፈደራል ሰራዊትን ኲናት ድሕሪ ምኽያዱ ዘጋጠመ ምዃኑ፡ እቶም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት ንሮይተርስ ሓቢሮም። ዕጡቓት ፋኖ ነታ ከተማ ድሕሪ ምልቃቖም፡ ፈደራል ሰራዊት ገዛ-ገዛ እናኸዱ ነቲ ኣልማማ ቅትለት ምፍጻሞም መሰኻኽር ይገልጹ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ናይ ባህርዳር ጨንፈሩ ብዛዕባ’ቲ ቅትለት ሓበሬታ ከም ዝበጽሖን ኣብ ምጽራይ ከም ዘሎን ኣመልኪቱ። እታ ከተማ ኣስታት 35-ሽሕ ነበርቲ ከም ዘለዋ ይገልጽ።

ካብቶም ዝተቐትሉ 32 ኣብ ሓደ ጋህሲ ክቕበሩ እንከለዉ፡ ካልኦት 20 ኣመንቲ እልስምና ድማ ብተመሳሳሊ ኣብ ካልእ ቦታ ምቕባሮም ንመሰኻኽር ዓይኒ ዝጠቐሰ ሮይተርስ ኣስፊሩ።

ገለ መሰኻኽር ቍጽሪ ምዉታን 65 ከብጽሑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ 50 ምዃኑ ይነግሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG