ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መርኣዊ ልዕሊ 80 ሲቪላት ከምዝተቐተሉ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ
ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም ከተማ መርኣዊ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ግጭት ስዒቡ ገዛ ንገዛ ብምፍታሽን ብጅምላን ቕትለት ከምዝተፈፀመ ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ። ምኽትል ዳይሬክተር ተስፋየ ገመቹ ልዕሊ 80 ሲቪላት ከምዝተቐተሉ ካብ መሰኻኽር ምርግጋፁ ኣፍሊጦም ኣለው።

ብዛዕባ ፈፀምቲ እቲ ቕትለት ግን "እኹል ምርመራ ምስ ገበርና ክነፍልጥ ኢና’’ ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ካብ ወሃብቲ ቃል ፌደራል መንግስቲን ናይቲ ክልል መንግስቲን መብርሂ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ሰሉስ 25 ጥሪ 2016 ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 20 ጥሪ 2016 ኣብ ከተማ መርኣዊ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝተኻየደ ግጭት ስዒቡ ኣብቲ ግጭት ተሳተፎ ዘይነበሮም ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሓበሬታ በፂሑና ኣሎ ኢሉ።

እቲ ቕትለት ዝተፈፀመ ብሓይልታት ፀጥታ ምኳኑ ሬድዮ ድምፂ ኣመሪካ ንመሰኻኽር ብምጥቃስ ሸፈነ ምሃቡ ይዝከር።

ነበርቲ ነታ ከተማ ገዲፎም ይወፁ ከምዘለው'ውን እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ገሊፁ ኣሎ።

እቶም ምኽትል ዳይሬክተር ወሲኾም ኣብ ክንዲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ምንዋሕ ግጭታት ብልዝብ ምፍታሕ ይግባእ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG