ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሙጋበ መዝነቶም ከምዘይለቁ ኣብዘፍለጥሉ፡ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊኦም ከሲ ክምስርት ይሸባሸብ


 ፕረ. ሙጋበ ትማሊ ሰንበት መደረ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን
ፕረ. ሙጋበ ትማሊ ሰንበት መደረ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን

ወታሃደራዊ ሓይልታት ዚምባብወ ነታ ሃገር ድሕሪ ምቁጽጻሮም ንመጀመርያ ጊዜ ትማሊ ሰንበት መደረ ዘስምዑ ወዲ 93 ዓመት መራሒ እታ ሃገር ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ “ ዓንድታት እታ ሃገር ሕጂ’ውን ተግባራዊ እዮም” ክብሉ ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝኻየድ ሃገራዊ ባይቶ ፓርቲኦም ከምዝመርሑን መዝነቶም ከምዘይለቑ ኣፍሊጦም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዚምባብዊያን ቀዳም ሕዳር 18 ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ሃራረ ብምውጻእ ን37 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ፕረዝደንት ሙጋበ ካብ መዝነቶም ክለቑ ጠሊቦም እንተኾነ ትማሊ ሰንበት ናይ ቴሌቭዥን መደረ ዘስምዑ ብዕድመ ዝደፍኡ መራሒ ዚምባብወ ካብ መዝነቶም ከምዘይለቑ ብኣንጻሩ ነቲ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ባይቶ ፓርቲኦም ክመርሑ ምኳኖም ገሊጾም።

ተቓውሞ ኣብ ከተማ ሃራረ
ተቓውሞ ኣብ ከተማ ሃራረ

“ምዱብ ኣኼባ ባይቶ ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት ኽካየድ እዩ። ነቲ መስርሕ ድማ ክመርሖ እየ፡ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ንውጽኢት እዚ ኣኼባ ዘትሕት ወይ ኣብ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ዝኾነ ዝተወጠነ ስጉምቲ ድማ ኣይክንማረኽን ኢና።”

ይኹን ደአ እምበር ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ ቅድሚ 37 ዓመት ዝመስረትዎ ፓርቲ ዛኑ ፒ ኤፍ ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ሶኑይ ካብ መዝነቶም እንተዘይለቒቆም ክሲ ክምስረት ምኳኑ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ኮሚቴ ወሲኹ ሮበርት ሙጋበ ብምክትሎም ኢመርሰን ማናግዋ ከምዝትኽኦም’ውን ሓቢሩ’ሎ።

ወታሃደራዊ ሓይልታት ዜምባብወ ዝሓለፈ ሰሙን ነታ ሃገር ድሕሪ ምቁጽጻሮም ንፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ማሕዩር ገዛ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ እዚ ናይ ትማሊ ሰንበት መደረ ድሕሪ ምስ ወታሃደራዊ መራሕቲ እታ ሃገር ዘካየድዎ ዘተ ዝሰዓበ ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ።

ላቭሞር ማዱኩ መምህር ሕጊ ኣብ ዚምባብወ ዩኒቨርሲቲ እዮምም፡ ንሶም እዚ መስርሕ ሕጊ ነዊሕ፡ ዝተሓላለኸን ጥንቃቐ ዝሓትት መስርሕ እዩ፡ ምክንያቱ እቲ ሰብ ሞያ ሕጊ ነቶም ዘይፍትው መራሒ ብክልተ ሲሶ ኣብዝሓ ድምጺ ክስዕሩ ዝወሃብ ድምጺ ንላዕሊ ዝኸይድ መስርሕ እዩ ይብሉ።

ንሶም ብተወሳኺ ክሲ ክንብል ከለና መጋባእያ ማለት እዩ ኣብ መጋባእያ ድማ ክሱስ ንምኽልኻል ክትዕ ከቕርብ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ክኣትው ኣለዎ እዚ ድማ ብሓጺር ናይ ጊዜ ገደብ ክኸውን ዘይኽእል እዩ ኢሎም።

ማዱክ “ በቲ ዝብልዎ ክሲ እንተተከሲሶም እሞ ገበነኛ ኮይኖም እንተተረኺቦም፡ ንኣብነት ኣብ ክስታት ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት ንዕኦም ጥራይ ዘይኾነ ንምሉእ ፓርቲ ዛኑ ፒ ኤፍ ዘቓልዕ እዩ። እዞም ዝኸሱ ዘለው ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ተጠቐምቲ እቲ መሪሕነት ዝነበሩ ከምዝነበሩ’ውን ኣብ ግምት ምእታው የድልይ እዩ” ይብሉ።

ዋላ’ኳ ንሮበርት ሙጋበ ንምኽሳስ ኣብ ግምት ዝአትው ብዙሕ ረቛሒታት እንተለው ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ግን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጎደናታት እታ ሃገር ብምውጻእ ሮበርት ሙጋበ መዝነቶም ክለቑ ይሓቱ ኣለው።

ሓላፊ ማሕበር ገዳይም ኩናት ክሪስ ሙትስቫንጋዋ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ተቓውሞታት ክቕጽሉ ምኳኖምን ማሕበሮም ድማ ነቲ ስጉምቲ እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ሕጋዊነት ንምሃብ ክሳብ ቤት ፍርዲ ክበጽሑ ድልው ምኳኑ ይገልጹ።

ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ ድሕሪ ነጻነት ዚምባብወ ካብ ብሪጣንያ ነታ ሃገር ክመርሑ ዝጸንሑ ኮይኖም ፡ ነታ ሃገር ሓንቲ ካብ ዝደኸዩ ሃገራት ዓለም ክትኸውን ጌሮምዋ’ውን እዮም። መሪሕነቶም ብውልቀመላኺነትን ብልሽውናን ዝልለ ኮይኑ መዝነቶም ንበይኖም ብምሓዞም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ፓርቲ ኣፈላላይ ከምዝፈጠረ ይግለጽ። ጠንቂ እዚ ኣብ ዝምባብወ ዝተፈጥረ ኩነታት ሮበርት ሙጋበ መዝነት ምኽትል ፕረዝደንት ንበዓልቲ ቤቶም ንምሃብ ንምክትሎም ድሕሪ ምብራሮም ዝሰዓበ ምኳኑ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG