ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢጣልያ ዘጋጠመ ክልተ ናይ መኪና ሓደጋ 14 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢጣልያ ዘጋጠመ ክልተ ናይ መኪና ሓደጋ 14 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:39 0:00

ኣብ ኢጣልያ ለሲና ዝተባህለ ቦታ ስደተኛታት ናይ ሕርሻ ሰራሕተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ምስ ካልእ ኮሚደረ ዝጸዓነት መኪና ትማሊ ሶኑይ ብምግጫዋ 12 ሰባት ሞይቶም ሰለስተ ካልኦት ድማ ምቁሳሎም ተሓቢሩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ካልእ ቦታ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ክልተ ሰባት ምሟቶምን ኣስታት 70 ምቁሳሎም ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ሓቢሮም ኣለው። ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ንጠንቂ ክልቲኡ ሓደጋታት ንምፍላጥ ምርመራ የካይዱ ከምዘለው’ውን ወሲኾም ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG