ብመሰረት ዝተረኽበ ፈላማይ ጸብጻብ ናይ ጋዝ ታንክ ተተኹሲ ነቲ ባርዕ ምፍጣሩ ተሓቢሩ’ሎ። ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት’ቲ ትካል መሃመድ ከሃር “ እቲ ባርዕ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ጥቃ እቲ ፋብሪካ ኔርና። ንቁርሲ ወጺና ምንቕጥቓጥ መሬት ዝመስል ነገር ሰሚዕና። ሽዑ ናብቲ ፋብሪካ ክን ኣትው ፈቲና እንተኾነ ግን ኣይከ አልናን” ኢሎም። ሓደ አባል ፖሊስ ብወገኑ ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና ኣቑሑት ኣብ ተራግፈሉ ዝነበረት እዋን ናይ ቴክኒክ ጸገም ከምዘጋጠመ ሓቢሮም ኣለው።
ኣብ ዒራቕ ኣብ መንጎ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለው ዜጋታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።
ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባትት’ታ ሃገር ኣብ ከተማ ጁባ ስምምዕ ተፈራሪሙ።
ንዝሓለፈ 21 ዓመታት ኣብ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ገዛ ኣብ ኔዘርላንድስ ተሓቢኡ ዝጸንሓ ናይ 18 ክ/ዘመን ዘውዲ ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ክምለስ ናብ ሰበ ስልጣን ቅርሲ ኔዘርላንድስ ምርካቡ ተፈሊጡ።እቲ ዘውዲ ካብ ነሃስ ዝተሰርሓ ምኳኑን ምስሊ የሱስ ክርስቶስ ምስ 12 ደቂ መዛሙርቱ ዘለዎ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ብምክንያት ሎሚ ዝክበር ሓድሽ ዓመት ኣብ መአረሚ ዝጸንሑ 2,366 ተአረምቲ ምህረት ከምዝተገብረሎም ምክትል ምምሕዳር’ቲ ክልል ሓቢሮም።
ስድራቤታት ግዳያት ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝክሪ ሽዱሽተ ወርሒ ምውዳቕ’ታ ነፋሪት ምክንያት ብምግባር ኣብ ኣፍደገ ሚንስትሪ መጉዓዝያ ኣሜሪካ ስነ ስርዓት ሽምዓ አካይዶም። ካብ አዲስ አበባ ተበጊሳ ናብ ኬንያ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ካብ ትብገስ ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ወዲቓ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 157 ሰባት ኩላቶም ምሟቶም ይዝከር።
ሱዳን ድሕሪ ምልቃቕ ነታ ሃገር ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝመርሑ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንፈላማይ ጊዜ ዝተመዘዙ ኣባላት ካቢነ ሚንስትራት ትማሊ ሰንበት ቃለ መሓላ ፈጺሞም ኣለው።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ኬፕታውን ዝጋባእ ዘሎ ዓለምለኸ ዋዕላ ቁጠባ ዝሳተፉ ዘለው መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንቁጠባዊ ሕብረትን ምትሕብባርን ጸዊዖም። እዚ ዋዕላ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ብወጻእተኛታት ዝውነና ትካላት መጥቓዕቲን ዝምታን ዝካየደሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ገለ መራሕቲ ሃገራት’ውን ነቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዜጋታት ብምቅዋም ኣብቲ ዋዕላ ኣይተሳተፉን ።
ሱዳናዊያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓይልታት ጸጥታ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ምዕራባዊ ምምሕዳር’ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዶ ዝነበሩ ተማሃሮ ብጎነጽ ምብታኖም ገሊጾም።
ተወሳኺ ጽዓን