ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ: 217 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 15 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጸገም ዘጋጠሞም ስደተኛታት ብኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝደሓኑሉ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 15 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጸገም ዘጋጠሞም ስደተኛታት ብኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝደሓኑሉ

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ደቡባዊ ክፋል ኤውሮጳ ይጉዓዙ ዝነበሩ 217 ስደተኛታት ድሕሪ ዘጋጠሞም ጸገም ብሓይሊ ባሕሪ ከምዝደሓኑ ተገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምድሓኖም ናብ ትሪፖሊ ርእሰ ከተማ ሊብያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከምዝተመልሱ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት 85 ደቂኣንስትዮ ከምዝነበራን እቶም 10 ድማ ቆልዑ ምንባሮም ተገሊጹ።

ሊብያ ብሓገዝ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንብሃገራ ሓሊፉ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ ስደት ክትቆጻጸሮ ምኽኣላዩ ዝሕበር።

XS
SM
MD
LG