ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጅግና ዓመተ 2019 መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ መብራህቱ መቐለ ኣብ ዝኣተወትሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌሩላ


መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ጅግና እዚ ዓመት ኢሉ ዝሸለማ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝ አተወትሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ::

ወ/ሮ ፍረወይኒ ንዝመረፅዋን ንዝተገበረላ ድሙቕ ኣቀባብላን ኣመስጊና::

"እዚ ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ተገይሩ፡ ወርሓዊ ፅግያት ክብሪ'ዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝህጸብ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) ብምፍራይ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣማራፂ ንኽረክባ ፋብሪካ ኣብ ከተማ መቐለ ከፊታ ኣብ ምስራሕ ትርከብ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና እዚ ዓመት ተባሂላ ኣብ መደበር ቴሌቭዥን ሲኤን ኤን ድሕሪ ምምራፃ ሎሚ ከተማ መቐለ ኣትያ::

ካብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ጀሚሩ ኣብ ጎደናታት መቐለ ህዝቢ ወፂኡ ብድምቀት ተቐቢልዋ:: ብፍላይ ደቂ- ኣንስትዮን መንእሰያትን ንፍረወይኒ እንኳዕ ሓጎሰኪ ዝብል ፅሑፋት ብምሓዝን መርኣየኦም ምኳና እናገለፁ ተቐቢሎማ::

ፍረወይኒ በቲ አቀባብላ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ድሕሪ ምግላፅ እቲ ኣቀባብላ ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝተገበረ እዩ ኢላቶ:: ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን ፍረወይኒ ትምኒታ ገሊፃ:: ኣመራርሓ ሲኤንኤን ደቂ ዓድኺ እዮም መሪፆም ናብዚ ሽልማት ኣብቂዖምኺሞ ንዕኦም ኣመስግኒ ኢሎምኒ ኢላ::ፍረወይኒ ንክትምረፅ ጎስጓስ ንዝገበሩን ንዝመረፅዋን ድማ ኣመስጊና::

ኣብቲ ኣቀባብላ ስነስርዓት ዝረኸብኩዋ ዮርዳኖስ ኣለሙ ዝተባህለት ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወልዱንጉስ ተምሃሪት 9ይ ክፍሊ ብፍረወይኒ ዝስራሕ ሞዴስ ንሳን መሓዙታን ከምዝጥቀማ ነጊራትኒ:: በዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ትምህርተን ብስርዓት ክከታተላ ይሕግዘን ከምዘሎ ገሊፃ::

ሲኤንኤን ጅግና ኢሉ ንዝሓረያ ፍረወይኒ መብራህቱ ሽልማት 100 ሽሕ ዶላር አበርኪቱላ እዩ:: ፋብሪካ ዝሕጸብ ሞዴስ ማርያም ሰባ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ዝበፅሕ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) የፍርይ ኣብ ገጠራት ትግራይ: ዓፋርን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ተማሃሮ ድማ ብትሑት ዋጋ የቕርብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG