ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ሓንቲ ካብ ‘ጀጋኑ ዓለም’ ቴሌቭዥን CNN ወ/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ


መደበር ቴሌቭዥን ሲ ኤን ኤን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዘዳልዎ ‘ጀጋኑ ዓለም’ ዝብል ፕሮግራሙ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓለም ለውጢ ንምምጻእ ዝሰርሑን ለውጢ ዘምጽኡ ውልቀሰባት ንስርሖም ኣፍልጦ ንምሃብን ነዞም ሰባት ንምትብባዕን ታሕሳስ 3 ሽልማት ክህብ’ዩ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ፕሮግራም ኢትዮጵያዊያት ወ/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ሓንቲ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት 10 ቀዳሞት ‘ጀጋኑ ዓለም’ ኮይና ክትርቛሕ ክኢላ’ላ።

ወ/ሮ ፍርወይኒ መብራህቱ ማርያም ሳባ ዝተባህለ ትካል ብምምስራት ዝሕጸብ ሞዴስን ፓንትን ኣብ ምፍራይ ንደቂ ኣንስትዮ ብነጻ ኣብ ምዕዳል ብዘበርከተቶ ስራሕ’ያ ናብዚ ሽልማት ክትርቋሕ ኪላ። ንሳ ብኸመይ ነዚ ትካል ንምምስራትን ነዚ ስራሕን ምምስራት ከምተበገሰት ከተረድእ ከላ ንሳ ወርሓዊ ጽግያታ ኣብ ዝጀምረትሉ እዋን ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሕድሮ ዝነብረ ጸቕጢን ትዝክር። ድሒራ ንትምህርቲ ናብ ሃገረ ኣሜርካ ምስ ከደት ኣብኡ ዝረኸበቶ ዝተፈልየ ባህሊ ከምዝነበረን ኩሉ ጊዜ ኣብ ሓሳባ ዝመላለስ ዝነበረ ምንባሩ ትገልጽ። ናብ ሃገራ ምስ ተመልሰት ኣብዚ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከተዘራርብ ኣብ ዝፈተነትሉ ድማ ብዙሕ ለውጢ ከምዘይተዓዘብት ድማ ተብርህ። ብድሕሪኡ ነቲ ዝተማሃረትሉ ሞያ ብምጥቓም ኣብ 2005 ዝሕጸብ ሞዴስ ብምፍራይ ነቲ ትካል ንምምስራት ከምዝተላዕለት ትገልጽ።

ምስ ወ/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG