ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝርርብ ወታሃደራውያን መራሕቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር


ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ መንጎ ወታሃደራውያን መራሕቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓትን ካብቲ ቀዲሙ ተመዲቡዎ ዝነበረ ገደብ ግዜ ክሳብ ሎሚ ሓሙስ ከም ዝተናውሐ፡ ንናይ ቀረባ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ዝርርብ ናይሮቢ ብቐንዱ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂን ምጥያስ ናብ ሰለማዊ ህይወት ምስ ሓይልታት ትግራይ ተጸንቢሮም ዘለዉ ዕጡቓት ዝምልከት ኰይኑ፡ ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ግን፡ ካልእ ንምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣብ ክልል ትግራይ ዝምልከት ምይይጥ’ውን ክጠቓለል’ዩ።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ክልቲኦም ወገናትን ዝተበጽሐ ስምምዕን ዛጊት ወግዓዊ ኣይኰነን። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ኣብ ኲናት ክልል ትግራይ ቀጥታዊ ኢድ ዘለዎምን ኣብዚ ዘተ ዘይተዓደሙን ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ነቲ ከይዲ ብኸመይ ክጸልዉዎ ከም ዝኽእል ናይ ሓያሎ ሕቶ ኰይኑ ኣሎ።

ዜና ኣገልግሎት ኣሶሽትድ ፕረስ ድሕሪ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ተስፋ ተገይሩዎ ዝነበረ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዛጊት ብዘይምጅማሩ ሓያሎ ኣካላት ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ ይብል ።

XS
SM
MD
LG