21:14
11.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ንፍርቂ ፍጻመ ዝጋጠመ ዘለዋ ክሮኤሽያ ምስ እንግሊዝ፡እንግሊዝ ኣብ መጀመርታ ደቓይቕ ጸወታ ብዝረኸብዎ ቕላዕ መቕጻዕቲ ሸቶ ብምምዝጋብ 1 ብ 0 ትመርሕ አላ።
18:37
15.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሎሚ ኣብ ዝዛዘም ዋንጫ ዓለም 2018 ፈረንሳን ክሮእሽያን ንናይ ፍጻመ ግጥም ቀሪበን ኣለዋ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጸወታ 1 ብ 1 ይቕጽል ኣሎ።
18:53
15.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ዋንጫ ዓለም 2018
ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ብመሪሕነት ፈረንሳ 2 ብ 1 ፍርቂጸወታ ተዛዚሙ’ሎ።
ፈረንሳ ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ ብመንገዲ ኣንቱዋን ግሪዝማን ሸቶ ብምምዝጋብ 2 ብ 1 ትመርሕ አላ።
21:32
15.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ፈረንሳ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2018 ኮይና አላ።
ፈረንሳ ኣብቲ ሎሚ ምስ ክሮ ሽያ ዝተኻየደ ግጥም 4 ብ 2 ብምዕዋት እያ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2018 ክትኸውን ዝበቕዓት።
ተጻዋታይ ጋንታ ፈረንሳ ዝኾነንን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ኣርባዕተ ሸቶታት ዘመዝገበ ኬይላን ማባፐ ዝበለጸ ብዕድመ ዝነኣሰ ተጻዋታይ ተባሂሉ ተመሪጹ'ሎ።