ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

18:59 3.7.2018

ግጥም ስዊድንን ስዊዘርላንድንን ዓወት ስዊድን 1 ብ 0 ተዛዚሙ። ስዊድን ኣብ መበል 65 ደቂቕ ብዝረኸብዋ ሸቶ ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፎም ኣለው።

20:37 3.7.2018

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ሽወደንን ስዊዘርላንድን

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ሽወደንን ስዊዘርላንድን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:56 0:00

21:59 3.7.2018

ቀዳማይ እብረ ጸወታ እንግሊዝን ኮሎምብያን ብዘይ ዝኾነ ውጽኢት ተወዲኡ'ሎ።

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ድሕሪ 2006 ንፈለማ ግዜኣ እያ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ትቐርብ ዘላ። እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ግጥማ ብበልጅም ዝተሳዕረት ክትኸውን እንከላ መጋጥምታ ኮሎምብያ ግን ኣብ ልዕሊ ሰነጋል ተዓዊታ'ያ ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሐት።
22:24 3.7.2018

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ መበል 53ደቒቕ ዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብመገዲ እንግሊዛዊ ኣጥቅዓይ ሃሪ ከን ሸቶ ብምምዝጋባ እንግሊዝ ሓደ ኮሎምብያ ባዶ።

ኮሎምብያዊ ካርሎስ ሳንቸዝ ንእንግሊዛዊ ኣጥቅዓይ ሃሪ ከን ኣብ ውሽጢ መስመር ቅላዕ መቕጻዕቲ ጎቲትካ ተባሂሉ'ዩ እታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ንእንግሊዛ ተዋሂባ። በዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ሓደ ብ ባዶ ዝኾነ ውጽኢት ትመርሕ ኣላ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG