18:59
3.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ግጥም ስዊድንን ስዊዘርላንድንን ዓወት ስዊድን 1 ብ 0 ተዛዚሙ። ስዊድን ኣብ መበል 65 ደቂቕ ብዝረኸብዋ ሸቶ ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፎም ኣለው።
20:37
3.7.2018
ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ሽወደንን ስዊዘርላንድን
21:59
3.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ቀዳማይ እብረ ጸወታ እንግሊዝን ኮሎምብያን ብዘይ ዝኾነ ውጽኢት ተወዲኡ'ሎ።
ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ድሕሪ 2006 ንፈለማ ግዜኣ እያ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ትቐርብ ዘላ። እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ግጥማ ብበልጅም ዝተሳዕረት ክትኸውን እንከላ መጋጥምታ ኮሎምብያ ግን ኣብ ልዕሊ ሰነጋል ተዓዊታ'ያ ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሐት።
22:24
3.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ መበል 53ደቒቕ ዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብመገዲ እንግሊዛዊ ኣጥቅዓይ ሃሪ ከን ሸቶ ብምምዝጋባ እንግሊዝ ሓደ ኮሎምብያ ባዶ።
ኮሎምብያዊ ካርሎስ ሳንቸዝ ንእንግሊዛዊ ኣጥቅዓይ ሃሪ ከን ኣብ ውሽጢ መስመር ቅላዕ መቕጻዕቲ ጎቲትካ ተባሂሉ'ዩ እታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ንእንግሊዛ ተዋሂባ። በዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ሓደ ብ ባዶ ዝኾነ ውጽኢት ትመርሕ ኣላ።