ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

19:41 26.6.2018

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፈረንሳን ደኒማርክን 0 ብ 0 ተዛዚሙ።ይኹን ደአ እምበር ክልቲኣን ጋንታታት ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ዓለም ሓሊፈን አለዋ።

ኣብ ግጥም ፔሩን ኣውስትራልያ 2 ብ 0 ዝተዛዘመ ኽከውን ከሎ እቲ ጸወታ ብፔሩ ዝተዓብለለ ኔሩ። ክልቲ ኣን ጋንታታት ፔሩን ኣውስትራልያን ናብ ዝቕጽል ዙር ኣይሓለፋን።

ኣውስትራልያን ፔሩን
ኣውስትራልያን ፔሩን

ግጥም ደኒማርክን ፈረንሳን
ግጥም ደኒማርክን ፈረንሳን

16:33 27.6.2018

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ናይጀርያን አርጀንቲናን

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም አርጀንቲናን ናይጀርያን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:07 0:00

19:23 27.6.2018

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጀርመንን ደቡብ ኮርያን፡ ደቡብ ኮርያ ንጀርመን 2 ብ 0 ብምስዓራ ጀርመን ካብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2018 ወጺኣ አላ።

ሽወደን ንሜክሲኮ 3 ብ 0 ስዒራታ አላ። ይኹን ደአ እምበር ኽልቲኣን ሜክሲኮን ጀርመንን ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ዓለም 2018 ሓሊፈን አለዋ።

ጀርመን ደቡብ ኮርያ
ጀርመን ደቡብ ኮርያ

ሜክሲኮ ሽወደን
ሜክሲኮ ሽወደን

17:24 28.6.2018

ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ድሕሪ 1938 ዓ.ም ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣውዲቓ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ካብ ውድድር ተአልያ’ላ።

ጀርመን ትማሊ ምስ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 2 ብ 0 ድሕሪ ብምስዓራ ተጻወቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ብምምራሕ ናብ መሰልጠኒ መደበር እታ ጋንታ ምኻዶም ተፈሊጡ’ሎ።

ደቡብ ኮርያ ዋላ’ኻ ኣብቲ ናይ ትማሊ ግጥም ንጀርመን እንተሰዓራት ናብ ዝቕጽል ዙር ግን ክትሓልፍ ኣይኸአለንት።ጀርመን ካብ ትርከበን ምድብ “F” ሽወደንን ሜክሲኮን ናብ ዝቕጽር ዙር ዋንጫ ዓለም ሓሊፈን ኣለዋ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG