ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

10:24 14.6.2018

Group B

ኣብ Group B ማለት ኣብ ምድብ ለ ዘለዋ ሃገራት ፤ ፖርቱጋልስጳኛሞሮኮ ከምኡውን ኢራን ይርከባ።

Group B
Group B

10:19 14.6.2018

ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታት ክህልዋ ከለዋ እዘን ጋንታታት እዚኣተን ድማ ኣብ ሸውዓተ ምድባት ተኸፊለን ናይ መጻረይ ግጥማተን ከካይዳ እየን።

ኣብ Group A

Group A
Group A

ኣብ Group A ማለት ኣብ ምድብ ሀ ዘለዋ ሃገራት የአንጋዲት ሃገር ሩስያስዑድ ዓረብግብጺ ከምኡውን ኡራጋይ ይርከባ።​

09:58 14.6.2018

ትማሊ ረቡዕ 13 ሰነ: ፊፋ የአንገድቲ ዋንጫ ዓለም 2026 ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ማለት ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካናዳን መክሲኮን ክኾና ወሲኑ።

ፊፋ ነዚ ዝወሰነ ብድምጺ ብልጫ ክኸውን እንከሎ: ኣብቲ ዝገበሮ ምርጫ ብሓባር ከአንግዳ ናብ ምርጫ ዝኣተዋ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ካብ ሞሮኮ ዓብላሊ ድምጺ ብምርካበን: ጉዕዞ ግጥማት ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2026 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካናዳን መክሲኮን ክኸውን ​ምውሳኑ ዘፍለጠ።

ኣባል ሃገራት ፊፋ 134 ብ 65 ዝኾነ ድምጺ ብልጫ ንሓባራዊ ምእንጋድ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ወሲኖም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንምርጫ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ምእንጋድ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ከምዘሐጎሶም ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ኣፍሊጦም።

09:37 14.6.2018

ትፈልጡ ዶ ካብ 1930 ኣትሒዙ ን 20 ግዜ ግጥማት ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ከምዝተኻየደ።

ካብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ኣትሒዙ ድማ ሾሞንተ ሃገራውያን ጋንታታት ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ክጭብጣ ክኢለን እየን።

ንሳተን ድማ:-

🏆🏆🏆🏆🏆 ብራዚል: 1958, 1962, 1970, 1994, 2002
🏆🏆🏆🏆 ጀርመን: 1954, 1974, 1990, 2014
🏆🏆🏆🏆 ኢጣልያ: 1934, 1938, 1982, 2006
🏆🏆 ኣርጀንቲና: 1978, 1986
🏆🏆 ኡራጋይ: 1930, 1950
🏆 ስጳኛ: 2010
🏆 ፈረንሳይ: 1998
🏆 እንግሊዝ: 1966

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG