ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያዊት መስራቲት ትካል መሰልጠኒ ቴክኖሎጂ ጅግና ሲኤንኤን ኮይና ተረቑሓ


ነሊ ቸቦዪ
ነሊ ቸቦዪ

ነሊ ቸቦዪ TechLit Africa ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ብምጥቃም ንኬንያዊያን ቆልዑ ተማሃሮ ገጠር ብኮምፒተር ንምስልጣን ብዝገበረቶ ፃዕሪ ናይ 2022 ናይ ሲ.ኤን.ኤን ናይ ዓመቱ ጅግና(Hero) ብዝብል ተረቑሓ።

ትማሊ ሰንበት ንሲ.ኤን.ኤን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ቸቦዪ ኣብ ገጠር ኬንያ ብድኽነት ምዕባያ:ዋላ'ኳ ወላዲት ኣዲኣ ንዕአን ናብ ቤት ትምህርቲ ንምልኣኽ ኣበርቲዓ እንተሰርሐት እውን "ለይቲ ከብደይ ብጥምየት ከመይ ይናወፅ ከምዝነበረ ፈፂመ ኣይርስዖን እየ’’ኢላ።

ብመርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተዋህበ ድምፂ ዝለዓለ ድምፂ ካብ ዝረኸቡ 10 ቀዳመይቲ ኮይና ኣላ።

ዘጣየሰቶ ትካል TechLit Africa ን10 ኣብያተ ትምህርቲ ብምሕጋዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተወሳኺ 100 ንምሕጋዝ ተስፋ ይገብር።

ተማሃሮኣ በብመዓልቱ ኣብ ዝተፈላለየ ክእለት ኮምፒተር ይሳተፉ።

ቸቦዪ "ተስፋይ ናይ መጀመሪያ ቆልዑ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወዲኦም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስራሕ ኣመልኪቶም ክቁፀሩ ከለው ምርኣይ እዩ’’ኢላ።

XS
SM
MD
LG