ኣስመራ —
ብደራሲ በረኸት ኣማረ ዝተጻሕፈት “ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 24 ምዕራፋትን 626 ገጻትን ዘጠቓለለት ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ኮይና፡ምትእስሳርን ምዝማድን ከምኡ’ውን ምንቅስቓስን ምስፋርን ቀዳሞት ወለዶታት ብሰንሰለታዊ መንገዲ እትትርኽ መጽሓፍ`ያ ።
እዛ መጽሓፍ ተጀሚራ ክሳብ እትዛዘም ኣስታት 10 ዓመታት ከምዝወሰደትን፡ ልዕሊ 100 ሰባትን ዝተፈላለዩ መጽሓፍትን ብምውካስ ምርምርን መጽናዕትን ተኻይዱላ ዝተጻሕፈትን መጽሓፍ’ያ።
እዛ መጽሓፍ ኣፋዊ ታሪኽን ስነ-ትውልድን፡ኣፋዊ ግጥሚ፡ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ቀዳሞት ሕብረተሰባት፡ኣመዓባብብላን ኣፈታትሓን ግጭታት፡ መኸተ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ወራራት፡መበቆላዊነትን መንነትን፡ብሓፈሻ ብዛዕባ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት ቀዳሞት ወለዶ ከፊላዊ ዛንታ ዝሓዘት መጽሓፍ ከምዝኾነት ደራሲኣ በረኸት ኣማረ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ`ሎ።
ምስ ወኪልና ብርሃነ በርሀ ዝገበሮ ዕላል ኣብ ዝሓለፈ መደብ ቂሔ-ጽልሚ ቀዳማይ ክፋሉ ኣቕሪብናልኩም ኔርና- ሳልሳይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።