ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ዕላል ምስ ደራሲ ምርምራዊ መጽሓፍ “ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት` በረከት ኣማረ


ብደራሲ በረኸት ኣማረ ዝተጻሕፈት “ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 24 ምዕራፋትን 626 ገጻትን ዘጠቓለለት ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ኮይና፡ምትእስሳርን ምዝማድን ከምኡ’ውን ምንቅስቓስን ምስፋርን ቀዳሞት ወለዶታት ብሰንሰለታዊ መንገዲ እትትርኽ መጽሓፍ`ያ እያ።

እዛ መጽሓፍ ተጀሚራ ክሳብ እትዛዘም ኣስታት 10 ዓመታት ከምዝወሰደን ልዕሊ 100 ሰባትን ዝተፈላለዩ መጽሓፍትን ብምውካስ ምርምርን መጽናዕትን ተኻይዱላ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ’ያ። እዛ መጽሓፍ ኣፋዊ ታሪኽን ስነ-ትውልድን፡ኣፋዊ ግጥሚ፡ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ቀዳሞት ሕብረተሰባት፡ኣመዓባብብላን ኣፈታትሓን ግጭታት፡ መኸተ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ወራራት፡መበቆላዊነትን መንነትን፡ብሓፈሻ ብዛዕባ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት ቀዳሞት ወለዶ ከፊላዊ ዛንታ ዝሓዘት መጽሓፍ ከምዝኾነት ደራሲኣ በረኸት ኣማረ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG