ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ዕላል ምስ ደራሲ ምርምራዊ መጽሓፍ 'ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት' በረከት ኣማረ-2ይ ክፋል


ብደራሲ በረኸት ኣማረ ዝተጻሕፈት “ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 24 ምዕራፋትን 626 ገጻትን ዘጠቓለለት ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ኮይና፡ምትእስሳርን ምዝማድን ከምኡ’ውን ምንቅስቓስን ምስፋርን ቀዳሞት ወለዶታት ብሰንሰለታዊ መንገዲ እትትርኽ መጽሓፍ`ያ ።

እዛ መጽሓፍ ተጀሚራ ክሳብ እትዛዘም ኣስታት 10 ዓመታት ከምዝወሰደትን፡ ልዕሊ 100 ሰባትን ዝተፈላለዩ መጽሓፍትን ብምውካስ ምርምርን መጽናዕትን ተኻይዱላ ዝተጻሕፈትን መጽሓፍ’ያ።

እዛ መጽሓፍ ኣፋዊ ታሪኽን ስነ-ትውልድን፡ኣፋዊ ግጥሚ፡ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ቀዳሞት ሕብረተሰባት፡ኣመዓባብብላን ኣፈታትሓን ግጭታት፡ መኸተ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ወራራት፡መበቆላዊነትን መንነትን፡ብሓፈሻ ብዛዕባ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት ቀዳሞት ወለዶ ከፊላዊ ዛንታ ዝሓዘት መጽሓፍ ከምዝኾነት ደራሲኣ በረኸት ኣማረ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ`ሎ።

ምስ ወኪልና ብርሃነ በርሀ ዝገበሮ ዕላል ኣብ ዝሓለፈ መደብ ቂሔ-ጽልሚ ቀዳማይ ክፋሉ ኣቕሪብናልኩም ኔርና- ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:34 0:00

XS
SM
MD
LG