ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃ ዲያስፖራ ኔት ወርክ ካልኣይ ዓመታዊ አኼብኡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ አቓኒዑ


ኣፍሪቃ ዲያስፖራ ኔት ወርክ ዝተባህለ ትካል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኣፍሪቃዊያን ፈጠርቲ ስራሕ ንምብርታዕን ንምሕያል ዝነጥፍ ትካል’ዩ።

እዚ ኣብ ሲልኮን ቫሊ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ዝመደበሩ ትካል ከም አካል ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመሮ ተበግሶ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካልኣይ ዓመታዊ አኼብኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን አካይዱ።እዚ አኼባ አካል’ቲ ትካል ኣብ 2018 ዝጀመሮ ንጸለወቲን መሃዝቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ኣብ ጉዳያት ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓውድታት ወፍሪ፡ምህዞ፡ፈጠራ ስራሕ፡ንግዲን ንምርካብን ንምዝታይ ዝዓለመ’ዩ።

ኣፍሪቃ ዲያስፖራ ኔት ወርክ ካልኣይ ዓመታዊ አኼብኡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ አቓኒዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:33 0:00

ኣብቲ ኣብ 17 መስከረም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈላማይ ክፋል ኣብ ጉዳይ ምጽባብ ክፍተት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኣፍሪቃዊያንን ዜጋታትን ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ’ውን ንዘሎ ብድሆታትን ዕድላትን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ አካይዱ።

ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ዓውዲ ወፍሪ፡ምህዞን ፖሊሲን ዝምልከት ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዝነጥፉ ሰብ ሞያ መብርሂ ተዋሂቡ። ብተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታት’ውን ተዘትይሎም።

ኣብ መወዳእታ እውን ኣብ ዓውድታት ኢነርጂን ሕርሻን ዘተ ተካይዱ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG