ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 50 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 50 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:02 0:00

ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 50 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

ኣብ ኬንያ ካብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ናብ ከተማ ካካመጋ ትጉዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ ሓደጋ 50 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።

ፖሊስ’ቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ እቲ ኣውቶቡስ 63 ተጉዓዝቲ ጽዒና ምንባራን መራሕ መኪና እቲ መንገዲ ጸዳፍን ቁልቁልን ብምዃኑ መኪና ክቆጻጸር ብዘይምክኣሉ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ሓቢሮም ኣለው። ካብቶም ዝሞቱ 31 ደቂ ተባዕትዮ፡ 12 ደቂ ኣንስትዮን 7 ድማ ህጻናት ምኳኖም ፖሊስ ሓቢሩ’ሎ።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ በቲ ሓደጋ ንዝተጉድኡ ግዳያትን ቤተሰቦምን ምጽንናዕን ብምምናይ እቲ ኩነታት ንምጽራይ ምሉእ ምርመራ ከምዝኻየድ ገሊጾም።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንሰበ ስልጣን ማእከል ስታትስቲክስ ኬንያ ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብ ኬንያ ኣብ ዓመት 3,000 ሰባት ብሓደጋ ትራፊክ ከምዝሞቱ እንተሓበረ ትካል ጥዕና ዓለም ግን እቲ ቁጽሪ ክሳብ 12,000 ክበጽሕ ከምዝኽእል ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG