ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መድረኽ ኦስካር ዝተሃርመ ኮመድያን ክሪስ ሮክ ካብ ደገፍቱ ምትብባዕ ይረክብ


ክሪስ ሮክ
ክሪስ ሮክ

ኣብ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ኦስካር ብተዋሳኢ ዊል ስሚዝ ድሕሪ ምህራሙ ንፈለማ እዋን ምርኢት ዘቕረባ ተዋዛዪ ክሪስ ሮክ፡ ካብ ደገፍቱ ዓቢ ናይ ምትትብባዕ ድጋፍ ረኺቡ።

ክሪስ ሮክ፡ ኣብቲ ምሉእ ትኬቱ ዝተሸጠ ምርኢት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ተዓዘብቲ ካብ መንበሮም ተንሲኦም ብምጥቓዕ ኣኽብሮቶም ገሊጾምሉ።

ዛጊት ብዛዕባ’ቲ መጽፋዕቲ ብወግዒ ዘይተዛረበ ክሪስ ሮክ፡ ኣብ እዋን’ቲ ናይ ቦስቶን ምርኢቱ፡ ገና ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ኣብ ርእሱ ይመላለሶ ከም ዘሎ ብሓጺር ጠቒሱ። ንዊል ስሚዝ ግን ብስሙ ኣይጠቐሶን።

ድሕሪ’ቲ ፍጻመ ክሳብ ሕጂ መዛረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ዘሎ መጽፋዕቲ ዊል ስሚዝ፡ ይቕረታ ደኣ ይሕተት እምበር፡ በቲ ትካል ብዘርኣዮ ጕድለት ዲሲፕሊን መቕጻዕቲ ክብየነሉ ከም ዝኽእል ይዝረብ ኣሎ። ቦርድ ኣካዳሚ ን18 ሚያዝያ ቅድሚ ምርኻቡ፡ ዊል ስሚዝ ምኽንያት ነቲ ስጕምቲ መውሰዲኡን ካብቲ ኣዳራሽ ንኽወጽእ ተሓቢሩዎ ከብቅዕ ብዘይ ምግባሩን ብጽሑፍ ክቕርብ ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG