ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጽፋዕቲ ዊል ስሚዝ ንክሪስ ሮክ ኣቓልቦ ሽልማት ኦስካር ይስሕብ


ዊል ስሚዝ ንክሪስ ሮክ ኣብ ዝጸፍዓሉ
ዊል ስሚዝ ንክሪስ ሮክ ኣብ ዝጸፍዓሉ

ንህቡብ ተዋሳኢ ዊል ስሚዝ ዘነደረ ምዕዳል ሽልማት ኦስካር ሓደ ካብቶም ናይ ትማሊ ምሸት ኣዘራረብቲ ፍጻመታት ኰይኑ ኣሎ። መራሒ መደብ ኮሚዲያን ክሪስ ሮክ፡ ብዛዕባ ህቡባት ተዋሳእቲ እናተዋዘየ፡ ንበዓልቲ ቤት ዊል ስሚዝ ዝዀነት ጀዳ ስሚዝ፡ ንዅነታት ላጸይቶ ጸጕሪ ኣመልኪቱ ምስ ተዋዛየ’ዩ፡ ዊል ስሚስ ንክሪስ ሮክ ኣብ መድረኽ ብጽፍዒት ሃሪሙዎ።

ብዋዛ ክሪስ ሮክ ዝተቖጥዐ ዊል ስሚስ ንቦታኡ ምስ ተመለሰ፡ ንስድራኡ ኣመልኪቱ ከይዋዘ ዓው ኢሉ ብሕርቃን ምዝራቡ ቀጺሉ። ጀዳ ስሚዝ ካብ 2018 ኣትሒዛ ብጸጕሪ ዝመልጥ ሕማም ከም ዝተጠቕዐት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክሪስ ሮክ ነቲ ሕማም እኹል ኣስተብህሎ ከይሃበ ስለ ዝተዋዘየ’ዩ ነቲ ቍጥዐ ኣኸቲሉ።

ኣብ መንጎ ተዋሳኢ ዊል ስሚዝን መራሕ መደብ ክሪስ ሮክን ዝነበረ ናይ ጎንጺን ምልውዋጥ ቃላትን፡ ብኣፍረይቲ እቲ ምርኢት ተቖሪጹ ን10 ካልኢት ደኣ ደው ይበል እምበር፡ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ዝፍንዉ መደበራት ነቲ ዝነበረ ዘረባ ስለ ዝፈነዉዎ ኣብ ኵሉ ክበጽሕ ክኢሉ።

ድሒሩ ዊል ስሚዝ ብሉጽ ተዋሳኣይ ብምዃን ሽልማት ክቕበል ንመድረኽ ምስ ደየበ ይቕረታ ሓቲቱ’ዩ።

XS
SM
MD
LG