ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 94 ሽልማት አካዳሚ ተፈጺሙ


መበል 94 ስነ-ስርዓት ሽልማት ኣካዳሚ፡ትማሊ ምሸት ብዘደንቅ ኣገባብ ተፈጺሙ። ላዕላዋይ ጥርዙ፡ `ኮዳ` ትብሃል ንጽሙማን ትውክል ፊልም ዝበለጸ ስእሊ ተባሂላ ኦስካር ክትሽለም ከላ፡ እቲ ምሸት፡ ደቀንስትዮ ዝበለጻ ዳይሬክተራት ፊልም ተባሂለን ኦስካር ዝሓፈሳሉ`ውን`ዩ ኔሩ።

ብጎልያድን ደቪድን ዝምሰል ፡ ልቢኻ ዝትንከፍ ዛንታ ዝሓዘት ፡ጽሙማን ዝተዋስኡላ 'ኮዳ' ዘርእስታ ፊልም`ያ ካብ መወዳድርታ ጸብለል ኢላ ብዝበለጸ ስእሊ ተሸላሚት ኮስካር ክትከውን በቒዓ።

ብኻልእ ወገን ናይ ምዕራባዊ ስነ-ልቦና ተባሂላ እትግለጽ "THe Power of the Dog" ማለት `ሓይሊ ናይቲ ከልቢ` ዘርእስታድራማ፡ ብዝበለጸ ዳይሬክተር ፊልም ኦስካር ተዓዊታ።

'ኮዳ' ኣብ ባህሊ ጽሙማን ዘተኮረት ኮይና ንልቢ ተዓዘብቲ ዝማረኸትን ኣብ ባህሊ ጽሙምነት ኣፍልጦ ዘበረኸትን ተገይራ ተራእያ`ላ። እቲ ታሪኽ ዘተኩረሉ፡ ሓንቲ ሩቢ ዝተባህለት ጓል 17 ዓመት ቆልዓ፡ ጽሙማን ስድርኣ ምስ`ቲ ዝሰምዕ ዓለም መታን ክረዳድኡን ቤት-ንግዶም ስርሑ ክቕጽልን ክትሕግዞም ክትጽዕር ከላ ተርኢ`ያ። ሩቢ ምድራፍ ስለትፈቱ ኣብ ኮለጅ ኣትያ ሙዚቃ ከተጽንዕ ትሕልን። እንተኾነ ናይ ሙዚቃ ሕልማ ግን ምስ ፍቕርን ሓላፍነትን ጽሙማን ስድራቤታ ዝጋጮ ይመስል።

'ኮዳ' ፊልም ንጽሙማን ትውክል ተባሂላ ኣብ`ቲ ኣካዳሚ ልዑል ድምጺ ዝረኸበት ዛንታ`ያ።

ኣብዛ ፊልም ካብ መደብ ሓገዝቲ ተዋሳእቲ፡ ዝበለጸ ተዋሳኣይ ተባሂሉ ኦስካር ዝተሸለመ`ምበኣር ንባዕሉ ጽሙም ተዋሳኣይ ትሮይ ኮትሰር`ዩ። ኣብ ታሪኽ ኦስካር ዝተሸለመ ካልኣይ ጽሙም`ዩ። ኣብ 1986`ውን ማርሊ ማትሊን ዝተባህለት ጽምምቲ ተወሳኢት ኣብ `ታ “Children of Lesser God" ትብል ፊልም ዝበለጸት ተዋሳኢት ተባሂላ ኦስካር ተሸሊማ ኔራ`ያ።

ንሱ ነቲ ሽልማት ምስ ተቐበለ ብናይ ምልክት ቋንቋ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ህሞት ንኹሎም ኣብ ማሕበረ-ሰብ ጽሙማን ዘለዉ ዝውክል ዓወት`ዩ ኢሉ። ካልእ ኣብታ ፊልም ብዝበለጸ ምሕዩሽ ስክሪንፕለይ ኦስካር ዝተዓወተት ድማ ጸሓፊትን ሰራሒትን ፊልም ሲያን ሃይደር`ያ።

ኣብ ፊልም “The Power of The Dog” ዝበለጸት ዳይሬክተር ኮይና ዝተሸለመት ድማ ጀይን ካፒዮን`ያ። እታ ኒውዝላንዳዊት ሰራሒት ፊልም፡ ድሕሪ ክሎይ ዛሆን ካትሪን ቢገለውንሳልሰይቲ ጓለንስተይቲ ተዓዋቲት ዳይሬክተር ፊልም ኮይና`ላ።

ዊል ስሚዝ፡ ኣብታ "ኪንግ ሪቻርድ" ትብሃል ስፖርታዊት ድራማ ብዘርኣዮ ብቕዓት፡ ካብ መደብ ዝበለጸ ተዋሳኣይ፡ ፈላማይ ሽልማት ኣካዳሚ ተዓዊቱ`ሎ። ኣብቲ እናነብዐ ዘስምዖ ዘረባ፡ ንሱ ዝተዋሳኣሉ ገጸ-ባህርይ፡ ደፋር ተኸላኻልይ ስድራቤቱ ከም ዝኾነ`ዩ ኣንጸባሪቑ።

ዊል ስሚዝ ግን ኣብቲ መድረኽ ምስ ኮመዲያን ክሪስ ራክ ዝገበሮ ባእሲ`ውን ኣብ`ቲ ምሸት ፍሉይነት ኔርዎ። ዊል ስሚዝ ንሰበይተይ ጸሪፍካለይ ኢሉ ንክሪስ ራክ ኣብ መድረኽ ብጽፍዒት ጨልጊምዎ። ድሓር ግን ነቲ ኣካዳሚን ንሕጹያትን ይቕረታ ሓቲቲ። ክሪስ ብዳእላ ጌሩ ንጀይዳ ፒንከት ኣልዒልዋ ኔሩ።

ብዝኾነ ሕጂ ክሪስ ራክ በቲ ዝወረዶ ጽፍዒት ንዊል ስሚዝ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይከሶ`ዩ ይግለጽ ኣሎ።

ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ መበል 94 ሽልማት ኣካዳሚ ካብ ዝበለጹ ደርፍታት`ውን ኦስካር ሸሊሙ ኔሩ። ቢሊ ኣይሊሽ፡ ኣብ`ታ “No Time to Die" ማለት `ክመወት ግዜ የለን` ትብል ናይ ጀምስ ቦንድ ፊልም ብዝደረፈታ ደርፊ፡ ኦስካር ተሸሊማ። መበል 94 ሽልማት ኣካዳሚ ንመበል 80 ዓመት ጀምስ ቦንድ ኣብ ዝዝክረሉ እዋን ምዃና ድማ እዋናዊት ይገብራ።

XS
SM
MD
LG