ኣዲስ ኣበባ —
ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ዝኾኑ ኣቶ ክብሮም በርሀ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መአረሚ ኣባሳሙኤል ከምዘለው ስድራቤቶም ገሊፆም።
በዓልቲ ቤት ኣቶ ክብሮም ወይዘሮ ፅታ ሃለዋት ክብሮም በርሀ ድሕሪ 35 መዓልታት ከምዝተፈልጠ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን።
እቶም ፖለቲከኛ ካብ ክልል ዓፋር ኣዋሽ ሰባት ናብ ኣዲስኣበባ ዝመፁ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 12 ነሓሰ 2014 ዓ.ም እዩ።ኣቶ ክብሮም ብ 11 ነሓሰ 2014 ኣብ ክልል ዓፋር ኣዋሽ ሰባት ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከምዝነበሩን፣ፖሊስ ጉዳዮም ንምፅራይ ተወሳኺ 14 መዓልታት ምሕታቱን ወይዘሮ ፅታ ሓቢረን።
ኣቶ ክብሮም በርሀ 25 ነሓሰ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ቆፀሮ ተዋሂቡ ኣሎ። ንኣተሓሕዘኦም ብዝምልከት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርሉ ቤትማእሰርቲ እቲ ሕጂ ዘለውሉ ከምዝሓይሽ ኣቶ ክብሮም ከምዝገለፁለን ወይዘሮ ፅታ ሓቢረን።
ፌደራል ፖሊስ ኣቶ ክብሮምን ምስኦም ተኣሲሮም ዝነበሩ ካልኦት 20 ተጠርጠርትን ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዘይተረከበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት ፍርዲ ገሊፁ ነይሩ።ሓለፍቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንኣቶ ክብሮምን ነቶም ካልኦት ተጠርጠርትን ንፌደራል ፖሊስ ዘረከብሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ሒዞም ን18 ነሓሰ ክቐርቡ ዝሓለፈ ሰሙን ትእዛዝ ተዋሂቡ'ሎ።