ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ደሃይ ክብሮም በርሀን ካልኦት መተኣስርቱን ከም ዘይብሉ ኣመልኪቱ


ክብሮም በርሀ
ክብሮም በርሀ

ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ንሓላፊ ርክብ ጉዳያት ወፃኢ ውድብ ባይቶና ኣቶ ክብሮም በርሀ ከም ዘይተረከበ ሎሚ ንቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኣቶ ክብሮም ዘረከበሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ንኸርእዮ’ውን ፌደራል ፖሊስ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሓለፍቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንኣቶ ክብሮምን ነቶም ምስኦም ዝተታሕዙ ካልኦት 20 ተጠርጠርትን ንፌደራል ፖሊስ ዘረከብሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ሒዞም ንክቐርቡ፣ ነቲ ጉዳይ ይርኢ ብዘሎ ናይ ፌደራል ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ተኣዚዞም እኳ እንተነበሩ፣ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን። እቲ ቤት ፍርዲ ሓለፍቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ነቶም እሱራት ንፌደራል ፖሊስ ዘረከብሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ሒዞም ንነሓሰ 18 ክቐርቡ ሎሚ ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።

እቶም ብ 3 ሓምለ 2014 ዓ.ም ዝተትሓዙ ኣቶ ክብሮምን ካልኦት 20 ተጠርጠርትን ብዋሕስ ንኽወፁ ናይ ኣዲስ ኣበባ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ 5 ሓምለ 2014 ወሲኑ ከምዝነበረ ጠበቐኦም ኣቶ ወንደሰን በፍቃዱ ተዛሪቦም። እንተዀነ እቶም እሱራት ብመሰረት ውሳነ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምፍታሖም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ምውሳዶም ተሓቢሩ'ሎ።

ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ እቶም እሱራት ዘለውሉ ቦታ ከፍልጥ ምስ ተሓተተ፣ ንፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዘረከቦም ምላሽ ሂቡ። ብድሕሪ እዚ ጠበቓታት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እቶም ሰባት ኣበይ ከምዘለው ንኸፍልጥ ኣብ ናይ ፌደራል ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ከሲሶምዎ እዮም። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ድማ ዋላ እኳ ንፌደራል ፖሊስ ኣረኪበዮም እየ ዝብል ምላሽ እንተሃበ፣ ዘረከበሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ግን ከቕርብ ኣይከኣለን።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መጋባእያ ዝተረኸቡ ስድራ እሱራት፣ በቲ ኩነታት ኣዝዮም ከምዝተጨነቑ ክሳብ ሕጂ ዘለውሉ ቦታ ዘይምግላፁ ከምዘተሓሳሰቦም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG