ብ 3 ሓምለ 2014 ተታሒዞም ኣብ ፖሊስ መምርሒ ኣቃቂ ቃሊቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ኣቶ ክብሮም በርሀ ዝርከቡዎም 18 ሰባት ኣበይ ከምዘለው ከም ዘይፈልጡ ስደራቤቶም ገሊፆም።
ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ጉዳያት ወፃኢ ባይቶና ዝኾኑ ኣቶ ክብሮም በርሀ ዝሓለፈ ሰንበት ተታሒዞም ኣብ መምርሒ ፖሊስ ኣቃቂ ቃሊቲ ተኣሲሮም ምስ ፀንሑ፡ ብሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብዋሕስ ክፍትሑ ተወሲኑ ምንባሩ በዓልቲቤት ኣቶ ክብሮም ወይዘሮ ፅታ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢረን። ይኹን እምበር እቲ ውሳነ ከይተፈፀመ ኣቶ ክብሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወሰዱ ተዛሪበን።
ምስ ኣቶ ክብሮም ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ዝኾነትን ሽመይ ከይጥቀስ ዝበለትን ውልቀሰብ 3 ሓምለ 2014 ንጎሆ ሰዓት 4:00 ንዓኣ ሓዊሱ ኣብ ኣኼባ እድር ዝነበሩ ሰባት ብልሙድ አለምባንክ እናተባሃለ ካብ ዝፅዋዕ ከባቢ ናይ ሲቪል ክዳን ብዝተኸደኑ ሰባት ተሓፊሶም ከም ዝተወሰዱ ይሕብራ። ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ፖሊስ ዘቕረቦም ክስታት ድማ “ገንዘብ ኣኪብኩም ንህወሓት ትሕግዙ ኣለኹም፣ ነቲ መንእሰይ ዘለዓዕል መፅሓፍ ኣሐቲምኩም ተከፋፍሉ ኣለኹም” ዝብሉ ከም ዝርከቡዎም እቲ ስማ ክዕቀበል ዝሓተተት ዜጋ ገሊፃ። እቲ መፅሓፍ 'ምፅኣት' ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣብ ቀረባ ዝተሓተመ ናይ ኣቶ ክብሮም ከምዝኾነት እታ ውልቀሰብ ተመልክት።
ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክፍትሑ ምስ ወሰነ እተን ደቀንስትዮ ብፅባሒቱ ክፍትሓ ከለዋ፣ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ግን ናብ ኣዋሽ ኣርባ ከምዝተወሰዱ ካብ ፖሊስ ምስማዖም ትገልጽ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ይከታተሎ ኣለኹ ይብል። ምስዚ ጉዳይ ኣተሓሒዞም ንድምጺ ኣመሪካ ሓበሬታ ዝሃቡ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝኾኑ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብወገኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ንተወላዶ ትግራይ ናይ ምእሳር ምንስቓስ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፈደራል ፖሊስ ጀይላን ኣብዲን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ኣመልኪቶም ኣለዉ።