ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባ. ኣመሪካ ኣብ ሕ/ሃ ንዝያዳ ጽምጾ ኣፍሪቃን-ኣመሪካን ትጽውዕ


ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደታ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ክልተ ኣህጉራት ኣብ ምምካት ደርቂ፡ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝን ምስ መትከላት ሕቡራት ሃገራት ዝሳነ ምትሕብባር ክግበርን ጸዊዓ።

ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየደቶ ዑደት ምስ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጋናን ሞዛምቢክን ከምኡ’ውን ፕረዚደንታት ኬንያን ሶማልን ዝተራኸበት ኣምባሳድር ሊንዳ፡ ምስ ምምዝባዕ ክሊማ፡ ውሕስነት መግቢ እቲ ቀዲሙ ክስርሓሉ ዘለዎ ጽላት ምዃኑ ኣስሚራ ተዛሪባ። እታ ኣምባሳደር ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ሶማል ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ብምጥቃስ፡ ምስ መንግስታውያንን ዓለምለኸ ማሕበራት ተራድኦን ብምትሕብባር፡ ንስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብደርቂ ዝተሃስዩ ወገናትን ንምሕጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ኣመልኪታ።

ምስ ፕረዚደንት ሶማል ድሕሪ ምርኻባን ንኹነታት ደርቂ እቲ ከባቢ ብቐረባ ድሕሪ ምዕዛባን’ውን፡ ኣምባሳድር ሊንዳ ንመኸተ ደርቂ ዝውዕል 40 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ሓገዝ ከምትህብ ቃል ኣትያ።

XS
SM
MD
LG