ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባ.ኣመሪካ ኣብ ሕ/ሃ ኣብ ሞዛምቢክ ምብጻሕ የካይዳ


ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ - ፋይል
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ - ፋይል

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብ ሞዛምቢክ ትገብሮ ዘላ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት፡ኣብ ጥቃ መዘናግዒ ገምገም ባሕሪ ማንግሩቭ ዝብሃል ተኽሊ ብምትካልን፡ ጉሓፍ ብምጽራግን ጀሚራ`ላ።

ንሳ ንጉዳይ ተፈጥሮ ከባብን ክሊማን ዝምልከት ምሕዝነት ኣመሪካን ሞዛምቢክን ዓቢይ ትኹረት ከምዝውሃቦ ኣስሚራ።

እታ ኣምባሳደር ኣፍሪቃ ትበጽሕ ዘላ ካልአይቲ ኣባል ካቢነ ፕረዚደንት ባይደን`ያ። እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ፕረዚደንት ባይደን ምስታ ካልአይቲ ዝዓበየት ኣህጉር ጽምዶ ንምሕያል ዝገብሮ ጻዕሪ ምዃኑ ይግለጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን`ውን ሚንስተር ገንዘብ ኣመሪካ ጃነት የለን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ማለት ዛምቢያ:ሴነጋልን ደቡብ ኣፍሪቃን በጺሓ ኔራ።

ኣምባሳደር ግሪን ፊልድ ናብ ኬንያ`ውን ክትበጽሕ'ያ። ምስ ሰበ-ስልጣንን ካልኦት መሓዙት ኣመሪካን ኣብ ትገብሮ ርክብ ንጉዳይ ለውጢ ክሊማ ትኹረት ሂባ ከም ትሰርሓሉ ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG