ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባ. ኣመሪካ ኣብ ሕ/ሃ ኣብ ኬንያ ምብጻሕ ኣካዪደን


ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፍልድ ብቀዳም ኣብ ኬንያ በጺሓን። እተን ኣምባሳደር ኣብቲ ናይ ኬንያ ዑደተን ነቲ ናይ ኣመሪካ ሓድሽ ስደተኛታት ናይ ምጥያስ ፕሮግራም ኣጉሊሄን’ለዋ።

ዌልካም ኮርፕስ ዝተሰምየ’ዚ ፕሮግራም ዜጋታት ኣመሪካ ብውልቂ መወልቲ ብምዃን ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ምጥያስ ክካፈሉ ኣጋጣሚ ዝፈጥረሎም’ዩ ኢለን’ለዋ።

ካብ ቤተ ክርስትያን ዓለማዊ ኣገልግሎት ዝኾነት ኒኮል ኢሩንጉ ከም በዓል ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዝበላ ሃገራት ስደተኛታት ንምጥያስ ዌልካም ኮርፕስ ኣድላይ’ዩ ኢላ’ላ።

“ምእንተ'ቶም ሕጂ ካብዚ ሓድሽ ተበግሶ ዝርብሑ ኣሽሓት ስደተኛታት ኢትዮጵያ: ኤርትራን ሶማልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ተሓጉስና’ለና”ክትብል’ውን ገሊጻ።

XS
SM
MD
LG