ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኲናትን ዘተ-ሰላምን ብማዕረ ኣብ ዝግስግሰሉ፡ ንምቍራጽ ተጻብኦታት ጻውዒት ይሕይል


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን- ፋይል
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን- ፋይል

ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ፕሪቶሪያ ርእሰ-ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዕጹው ስፍራ ዝቃናዕ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ኣብ ዝቐጸለሉ፡ በበይኖም ኣካላት ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምዃኑ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ። ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ዘለዎ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምብጻሕን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን’ዩ ክኸውን ዘለዎ ዝበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሎሚ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ’ውን ነቲ ጉዳይ ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ብሊንከን ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ብመገዲ ቴለፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ንዞባዊን ዓለማዊን ጉዳያት ብዕምቆት ከም ዝዘተዩ ድሕሪ ምምልካት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣድላዪ ምዃኑ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ቢን ዛይድ ምዝርራቦም ኣስሚሩ።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ክሳብ ሰንበት ክቃናዕ ተመዲቡ ዘሎ ዝርርብ ዝወጸ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ዛጊት የሎን።

እዚ እናዀነ ግን ኣብ ባይታ ገና ውግእ ይቕጽል ምህላዉ በበይኖም ምንጭታት የመልክቱ። ክልቲኦም ወገናት ንዝርዝር ኣብ ዓውደ-ኲናት ዘሎ ኵነታት ካብ ምክፋል ተቖጢቦም ኣለዉ። ሓይልታቶም ኣድላዪ ዝበሉዎ ዓወታት የመዝግቡ ከም ዘለዉ ክልተኦም ወገናት ብበመገዶም ይገልጹ ኣለዉ። ብዛዕባ ኣብ ባይታ ተበጺሑ ዘሎ ከይዲ ግን ካብ ናጻ ምንጪ ጭቡጥ ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኻእለን።

XS
SM
MD
LG