ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ መስርሕ ምምራጽ ቀ/ሚ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከምዝርከቡ ሓቢሮም


ሌተናል ጀነራል ጀላል ኣል ዲን ኣልሸኽ
ሌተናል ጀነራል ጀላል ኣል ዲን ኣልሸኽ

አባላት ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ትማሊ ሶኑይ ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መስርሕ ምምራጽ ቀዳማይ ሚንስትር ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

ብመሰረት መሓውራት ዜና ሱዳን አባላት ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ናብ አዲስ አበባ ዘምርሑ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዋዕላ ጸጥታ ንምስታፍ ምኳኑ ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ብሌተናል ጀነራል ጀላል ኣል ዲን ኣልሸኽ ዝምራሕ ጉጅለ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ ምዝርራቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ንሶም ብዛዕባ’ቲ ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ዘሎ ኽሲ ዝምልከት “ብዛዕባ’ዚ ክሲ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዓና ቀዳምነትና ኣይኮነን ኣብ መሰጋገሪ እዋን ኢና ዘለና ፡ ጉዳይ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ድማ ኣብ ሱዳን ድዩ ዝረአ ወይ ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ከነረኽቦም ኣብቲ ዝምስረት መንግስቲ ዝውሰን’ዩ። እዚ ናታና ቀዳመንት ንህቦ ጉዳይ ኣይኮነን ናይቲ ዝምስረት መንግስቲ’ዩ” ኢሎም።

ኣብ ሱዳን ዝጀምረ ተቓውሞ ሕጂ’ውን እቲ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ቅልጡፍን መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ጸቕጢ ብምግባር ቀጺሉ’ሎ።

ብዛዕባ’ዚ ሌተናል ጀነራል ጀላል ኣል ዲን ኣል ሸክ “ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምስራትን ቀዳማይ ሚንስትር ንምምዛዝን ንሰርሕ ኣለና። እዚ ምስ ሕብርት ኣፍሪቃ ዝካየድ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩን ኣብዚ መስርሕ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና።እዚ ድማ እምነትናውን እዩ ንስላም’ውን ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ ግን ኸአ ብውሳነ እቲ ቤት ምክሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ንኣምን ኢና” ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሱዳናዊያን ሎሚ ሶሉስ’ውን ኣብ ጎደናታት ‘ታ ሃገር ዝጀመርዎ ተቓውሞ ብሳዕስዒትን ጨፈራን ቀጺሎሞ ኣለው።

XS
SM
MD
LG