ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ምስ አባላት ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ተራኺቦም ተዘራሪቦም


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብጀነራል ጋላለዲን ኣል ሼኽ ምስ ዝመራሕ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወታደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ተዘራሪቦም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ኣሐይሉ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ንልኡላውነት ሱዳን ዘኽብርን ካብ ጣልቃ ምእታው ነፃ ዝኾነን ከምዝኸውን ገሊፆም።

ጀነራል ጋላለዲን ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ስትራተጂያዊ አጋርነት ጠቓሚ ምዃኑ ብምሕባር ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዝፀንሐ ሓባራዊ ምትሕብባር ሓይሉ ንክቕፅል ፀዊዖም ክብል ፋና ብሮድካስቲንግ ጸብጺቡ።

XS
SM
MD
LG