ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ተቓውሞ ዜጋታት ሎሚ’ውን ቐጺሉ’ሎ


ሰልፈኛታት ሱዳን ሎሚ ሶኑይ ነቲ ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልኻል ዘካይድዎ ኮፍ ናይ ምባል ተቓውሞ ንምብታን ዝፈተኑ ወታሃደራዊ ሓይሊ ምዕጋቶም ተገሊጹ።

ወታሃደራት ብሰለስተ ወገናት እቲ ተቓውሞ ብምትእኽካብ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣእማንን ካልኦት ነገራትን ከልዕሉ ኣብ ዝፈተንሉ ሰልፈኛታት ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ምዕጋቶም ተሓቢሩ’ሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት “ናጽነት፡ናጽነት” “ሰውራ፡ሰውራ” ብምባል ጭርሖ ምስምዖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሱዳን፡ ተቓውሞ ዜጋታት ሎሚ’ውን ቐጺሉ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:12 0:00

ኣቐዲሙ ማሕበር ሰብሞያ ሱዳን ዋላ’ኻ ተቓውሞ ንምብታን ፈተነ እንተተኻየደ እቲ ኮፍ ናይ ምባል ተቓውሞ ምጽውዖም ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ኮፍ ናይ ምባል ኣድማ ነቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝቐነየ ተቓውሞ ስዒቡ ካብ ሚያዝያ 6 ዝጀመረ ኮይኑ ንዋና ቤት ጽሕፈት ስለያን መንበሪ ፕረዚደንትን ዝሓወሰ’ዩ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ወታሃደራዊ ሓይልታት’ታ ሃገር ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቱ ምውራዱን ናይ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ባይቶ ብምምስራት ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ነታ ሃገር ከምዝመርሕ እንተፈለጡ ዜጋታት ግን ሲቪላዊ ምምሕዳር ናብ መዝነት ክሳብ ዝመጽእ ተቓውሞኦም ከምዝቕጽሉ ይገልጹ ኣለው።

መራሒ’ቲ መሰጋገሪ መንግስቲን ሚንስትር ምክልኻል ጀነራል ዓወድ ኢብነፍ ብቐዳም መዝነቶም ምልቃቆም ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ወታሃደራዊ ባይቶ ሎሚ ሶኑይ ሓድሽ ሓላፊ ስታፍን ምክትልን ከምዝምዝዝ ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG