ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሓሙሽተ መዓልታት መዕረፊ ስኢና ዝጸንሓት ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ማልታ ኣትያ


ንዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት መዕረፊ ወደብ ስኢና ዝጸንሓት 114 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ አኳይረስ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ወደባት ማልታ ኣትያ።

ማልታ እታ ወደብ ክትዓርፍ ዘፍቐደት ትማሊ ሶሉስ ሓሙሽተ ሃገራት ኣውሮጳ ነቶም ኣብታ መርከብ ዘለው ስደተኛታት ከምዝቕበላ ድሕሪ ምፍላጠን’ዩ።

ንሓሙሽተ መዓልታት መዕረፊ ስኢና ዝጸንሓት ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ማልታ ኣትያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:32 0:00

ብመሰረት ሓበሬታ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት 70 ካብቶም ኣብታ መርከብ ዘለው ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምዃኖም ይሕብሩ።

ፈረንሳ፡ጀርመን፡ለግዘንበርግ፡ፖርቱጋልን ስጳኛን ብተወሳኺ ኣቐዲሞም ናብ ማልታ ዝኣተው ካልኦት ስደተኛታት ከምዝቕበላ ሓቢረን ኣለዋ።

ማልታ ኣቐዲማ እቶም ስደተኛታት ናብታ መርከብ ዘላቶ ቦታ ዝቐርብ ወደባት ሊብያ፡ቱኒዝያ ወይ ላምፓዱዛ(ኢጣልያ) ክውሰዱ ኣለው ክትብል ክትነጽጎም ምጽንሓ ይፍለጥ።

ነቶም ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደባት ማልታ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን አባላት የማናዊ ጽንፊ ዝኾኑ ሰባት “ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ደው ይበል” ዝብል ፖስተር ብምሓዝ ሰልፊ ዘካየዱ ክኾኑ ከለው ንምምጻእ እቶም ስደተኛታት ዝድግፉ ካልኦት ድማ “ ኩሉ ሰብ ብህይወት ክነብር ኣለዎ” ዝብሉ’ውን ኣብቲ ቦታ ሰልፊ ምክያዶም ተገሊጹ’ሎ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ አባላት ነዚ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየዶ ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሓካይም ብዘይዶብ” እቶም ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንጊልያነት ምሻጥ፡ ግዱድ ስራሕን ጾታዊ ዓመጽን ተቃሊዖም ከምዝነበሩ ምሕባሮም ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ትካል ፍሎሪን ዌስፋል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ 40 ካብቶም 70 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ትሕቲ ዕድመ 15 ምኳኖም ሓቢሮም። ብተወሳኺ ክልተ ነፍሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ገሊጾም።

ንሶም “ ወዲ 16 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብጊልያነት ተሸይጡ ን6 ኣዋርሕ ኣብ ግዱድ ስራሕ ተዋፊሩ ምንባሩ ሓቢሩኒ" ኢሎም።

እቲ ትካል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ሓላፍነቶም ፈሊጦም ክሰርሑ ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG