ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሽተ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንመዓልታት ዝጸንሑ ስደተኛታት ክቕበላ ምውሳነን ኣፍሊጠን


ሓሙሽተ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንመዓልታት ዝጸንሑ ስደተኛታት ክቕበላ ምውሳነን ኣፍሊጠን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:53 0:00

ሓሙሽተ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንመዓልታት ዝጸንሑ ስደተኛታት ክቕበላ ምውሳነን ኣፍሊጠን

ፈረንሳ፡ስጳኛ፡ጀርመን፡ፖርቱጋልን ለዝምበርግን መዕረፊ ስኢኖም ንዝጸንሑ 141 ስደተኛታት ከምዝቕበሉ ኮሚሽን ኣውሮጳ ሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዘፍለጡ ኮሚሽነር ክፍሊ ኢምግሬሽን ኮሚሽን ኣውሮጳ ዲሚትሪ ኣቭራምፖሎስ ሕብረት ኣውሮጳ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ነባሪ ፍታሕ ከዳልው ኣለዎ ኢሎም።

“ንግዚኡ ጥራይ ዘገልግሉ ስምምዕ ኣብ ምቕራብ ክንውሰን የብልናን ነባሪ ፍታሕ የድልይ እዩ። እዚ ድማ ሓላፍነት ሓንቲ ሃገር ወይ’ውን ውሑዳት ሃገራት ኣይኮነን፡ ሓላፍነት ሕብረት ኣውሮጳ እዩ።”

ንማእከላይ ባሕሪ ቅርበት ዘለወን ማልታን ኢጣልያን ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝውነና መራኽብ ዝደሓኑ ስደተኛታት ከምዘይቕበላ ብምፍላጣን እቶም ስደተኛታት ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ኣብ ባሕሪ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እታ ብዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሓካይም ብዘይዶብ” ትውነን መርከብ አኳይረስ ኣቐዲማ’ውን 630 ስደተኛታት ጽዒና ንመዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጽንሓ ስጳኛ ነቶም ስደተኛታት ምቕባላ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ ጂብላልተር እታ መርከብ ባንዴራ ሓለዋ ባሕሪ ጂብላልተር ክትሕዝ ከምዘይፍቐደላ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG