ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ናይ ርድኡና መልእኽቲ’ውን ብዙሓት መራኽብ ክሕግዝዎም ከምዘይፈተኑ ይገልጹ


ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 114 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሓካይም ብዘይዶብ’ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሎሚ ሶኑይ ትዓርፈሉ ወደብ ከምዘይረኸበት ተፈሊጡ።

ሚንስተር መጉዓዝያ ኢጣልያ ዳኒሎ ቶኒል ነቶም ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ዋላ’ዃ ዋንነታ ናይ ፈረንሳ ትካል እንተኾነት ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ብሪጣንያ ስለትጉዓዝ ብሪጣንያ ነቶም ስደተኛታት ክትቕበል ኣለዋ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ እቶም ስደተኛታት ብምትሕብባር ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከምዝደሓኑን እታ መርከብ ድማ ኣብዚ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማያት ማልታ እያ ዘላ ስለዚ ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ናይ ምቕባል ሓላፍነት የብላን ኢሎም።

አባላት ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየደት ትካል ብወገኖም ሃገራት ኣውሮጳ እታ መርከብ ትዓርፈሉ ወደብ ክውስኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

እቶም ስደተኛታት ብወገኖም ድሕሪ’ቲ ናይ ርድኡና ጻውዒቶም’ውን ብዙሓት መራኽብ ኩነታቶም ንምፍላጥ ከምዘይፈተኑ ገሊጾም ኣለው።

እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘካየደ ትካል ብወገኑ ኢጣልያ ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝውነና መራኽብ ኣብ ወደባታ ከይዓፋ ድሕሪ ምክልካላ ብዙሓት መራኽብ ስደተኛታት ክሕግዙ ከምዘይደፍሩ ገሊጾም።

ካብቶም ብዓርቢ ዝደሓኑ 114 ስደተኛታት 65 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምዃኖምን ዝበዝሑ ድማ ካብ ኤርትራን ሶማል ዝመጹ ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝውነና መራኽብ ኣብ ወደባት ከይዓርፋ ምክልኻላ ቀጺላ’ላ።

XS
SM
MD
LG